ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

እስራኤላውያን ባሮት፡ ኣብ እዋን ዓመት እልልታ ናብ ስድራ ቤቶምን ናብ ዓዶምን ይምለሱ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ዓመት እልልታን ኣብ መጻኢ ዚርከብ ሓርነትን

ዓመት እልልታን ኣብ መጻኢ ዚርከብ ሓርነትን

ዓመት እልልታ ኣብ ከቢድ ዕዳን ድኽነትን ንዝወደቑ እስራኤላውያን ሓራ ዜውጽእ መሰናድዎ እዩ ነይሩ (ዘሌ 25:10it-1 871፣ ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ)

መሬት ኪሽየጥ ከሎ፡ ንዋጋ እቲ እታ ምድሪ እተፍርዮ እኽሊ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ብመገስ እዩ ዚሽየጥ ነይሩ (ዘሌ 25:15it-1 1200 ¶2)

የሆዋ ንህዝቡ ሕጊ ዓመት እልልታ ኺእዘዙ ኸለዉ ይባርኾም ነይሩ (ዘሌ 25:18-22it-2 122-123)

ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ እሙናት ደቂ ሰብ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ፈጺሞም ሓራ ምስ ወጹ፡ ካብቲ ምሳልያዊ ዓመት እልልታ ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙ እዮም።—ሮሜ 8:21

የሆዋ ዘተስፈወና ሓርነት ምእንቲ ኽንረክብ፡ ነፍሲ ወከፍና እንታይ ክንገብር ኣሎና፧