ክርስትያናዊ ህይወት
ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብፍልጠት ኣዕጥቕዎም
ኣብዛ ንጽቡቕሲ ኽፉእ፡ ንኽፉእ ከኣ ጽቡቕ እትብል ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። (ኢሳ 5:20) እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ገሊኦም ሰባት የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት ይገብሩ እዮም። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ምስ ከምኦም ዓይነት ጾታ ዘይግቡእ ተግባር ይፍጽሙ። እዞም ክቡራት ደቅና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ መዛኑኦም ወይ ካልኦት ንኣካይዳኦም ኪስዕቡ ይሓባብልዎም እዮም። እሞኸ፡ ንደቅኹም ነዝን ንኻልእ ተመሳሳሊ ፈተናታትን ብዓወት ኪሰግርዎ ብኸመይ ከተዳልውዎም ትኽእሉ፧
ንደቅኹም ስርዓታት የሆዋ ብምምሃር ብፍልጠት ኣዕጥቕዎም። (ዘሌ 18:3) ዕድሚኦም ኣብ ግምት ብምእታው፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታ እንታይ ከም ዚብል በብግዜኡ ምሃርዎም። (ዘዳ 6:7) ንርእስኹም ከምዚ ኢልኩም ሕተቱ፦ ‘ዚፈትወካ ሰብ ከመይ ገይሩ ብግቡእ ስምዒቱ ኺገልጽ ከም ዚግብኦ፡ ትሕትና ዜርኢ ኽዳውንቲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ካልኦት ኣብ ዘይግቡእ ኪተናኽፍዎም ከም ዘይብሎም ንደቀይ ምሂረዮም ድየ፧ ሓደ ሰብ ስእለ ጽዩፍ ኬርእዮም እንተ ፈቲኑ ወይ የሆዋ ዘይፈትዎ ተግባር ኪገብሩ እንተ ሓቲትዎም፡ ደቀይ እንታይ ከም ዚገብሩ ይፍለጡ ድዮም፧’ ደቅኹም፡ ኣቐዲሞም ፍልጠት እንተ ኣጥርዮም፡ ካብ መዓት ኪስተሩ እዮም። (ምሳ 27:12፣ መክ 7:12) ንደቅኹም ክትምህርዎም ከለኹም፡ ነቶም ካብ የሆዋ እተዋህቡኹም ክቡራት ርስቲ ኸም እተፍቅርዎም ኢኹም እተርእዩ።—መዝ 127:3።
ነታ ዚጻወር ቤት ህነጽ—ንደቅኻ ካብ “እከይ” ሓልዎም ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ገሊኦም ንደቆም ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ኪምህርዎም ዚወላወሉ ስለምንታይ እዮም፧
-
ወለዲ ንደቆም “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ኼሰልጥንዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧—ኤፌ 6:4
-
ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ምእንቲ ኺምህርዎም፡ ውድብ የሆዋ እንታይ ሓገዝ እያ ኣዳልያ፧—w19.05 12፡ ሳጹን
-
ጸገማት ቅድሚ ምምጻኡ፡ ምስ ደቅኹም ቀጻሊ ርክብ ክትገብሩ ዘሎኩም ስለምንታይ ኢኹም፧