ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ንዅሉ ሰብ ንምስባኽ እተወደበ

ንዅሉ ሰብ ንምስባኽ እተወደበ

የሆዋ ልክዕ ከምቲ ንእስራኤላውያን ዝወደቦም፡ ሎሚ እውን ንህዝቡ ፍቓዱ ኺገብሩ ይውድቦም እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣብያተ ጨንፈር ጽሕፈትን ወረዳታትን ጉባኤታትን ጕጅለታት ኣገልግሎት ወፍርን ሓቢሮም ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ይሰብኩ ኣለዉ። ንዅሉ ሰብ፡ እንተላይ ነቶም ካልእ ቋንቋ ዚዛረቡ ሰባት ንሰብከሎም ኢና።—ራእ 14:6, 7

ንኻልኦት ሓቂ ምእንቲ ኽትምህሮም፡ ካልእ ቋንቋ ኽትምሃር ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ ቋንቋ ንምምሃር ዚኸውን ግዜ እኳ እንተ ዘይብልካ፡ ብJW Language ኣፕሊኬሽን ተጠቒምካ፡ ቅልል ዝበለ ኣቀራርባታት ክትምሃር ትኽእል ኢኻ። ኣብ ኣገልግሎት ምስ ተጠቐምካሉ ኸኣ፡ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ኣሕዋትና እተሰምዖም ኪስምዓካ ይኽእል እዩ። ንሳቶም ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ሰባት፡ “እቲ ዓብዪ ግብሪ ኣምላኽ” በብቛንቋኦም ብምስማዖም ምስ ተገረሙ ተሓጒሶም እዮም።—ግብ 2:7-11

ነታ ዓርኪ የሆዋ ኹንብቛንቋ ወጻኢ ስበኽ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • JW Language ኣፕሊኬሽን መዓስ ኢኻ ኽትጥቀመሉ እትኽእል፧

  • ገለ ኻብቲ መዳያቱ እንታይ እዩ፧

  • ካብ ኵሉ ቛንቋታት ዝዀኑ ሰባት ብስራት ኪሰምዑ የድልዮም እዩ

    ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት እንታይ ቋንቋታት እዮም ዚዛረቡ፧

  • ኣብ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተገዳስነት ዘሕደረ ኻልእ ቋንቋ ዚዛረብ እንተ ረኺብካ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧—od 100-101 ¶39-41