ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ካብ ህይወት ሳሙኤል እንረኽቦ ትምህርቲ

ካብ ህይወት ሳሙኤል እንረኽቦ ትምህርቲ

ሳሙኤል ኣብ ምሉእ ህይወቱ ንየሆዋ እሙን እዩ ነይሩ። ንእሽቶ ኸሎ ኸምቶም ብልሹዋት ዝነበሩ ኦፍኒን ፊንሃስን ዚብሃሉ ደቂ ኤሊ ኣይነበረን። (1ሳሙ 2:22-26) ሳሙኤል እናዓበየ ኸደ፡ የሆዋ ድማ ምስኡ ነበረ። (1ሳሙ 3:19) ምስ ዓበየ ዋላ እኳ ደቁ ኻብ መገዲ የሆዋ እንተ ኣላገሱ፡ ንሱ ግና ብኣኣ ተመላለሰ።—1ሳሙ 8:1-5

ካብ ኣብነት ሳሙኤል እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ መንእሰይ እንተ ደኣ ዄንካ፡ የሆዋ ነቲ ዜጋጥመካ ብድሆታት ከም ዚፈልጦን ንስምዒትካ ኸም ዚርድኣልካን ተኣማመን። ተባዕ ክትከውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ። (ኢሳ 41:10, 13) ካብ ሓቂ ዝርሓቐ ውሉድ ዘለካ ወላዲ እንተ ዄንካ፡ ሳሙኤል እኳ ነቶም ዓበይቲ ደቁ፡ ንስርዓታት የሆዋ እሙናት ኪዀኑ ኺገብሮም ከም ዘይከኣለ ምፍላጥካ፡ ኬጸናንዓካ ይኽእል እዩ። ሳሙኤል ነቲ ጕዳይ ኣብ ኢድ የሆዋ ብምሕዳግ፡ ንጽህናኡ ሓልዩ፣ ነቲ ሰማያዊ ኣቦኡ ዝዀነ የሆዋ ኸኣ ኣሕጕስዎ እዩ። ምናልባት እቲ ሰናይ ኣብነትካ ንውሉድካ፡ ናብ የሆዋ ኺምለስ ኪድርኾ ይኽእል እዩ።

ነታ ካባታቶም ተምሃር—ሳሙኤል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ሳሙኤል ቈልዓ ኸሎ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

  • ዳኒ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

  • ሳሙኤል ብዕድመ ምስ ደፍአ ሰናይ ኣብነት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

  • የሆዋ ነቶም ቅኑዕ ዘበለ ብጽኑዕ ዚድግፉ ይሕግዞም

    ወለዲ ዳኒ ሰናይ ኣብነት ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧