17-23 ጥሪ
ፍጥረት ኣብ ጥበብ የሆዋ ንዘሎና እምንቶ የደልድሎ
የሆዋ ወትሩ ዚጠቕመና ዘበለ ይፈልጥ ድዩ፧ እሂናይ ደኣ! ነዚ ስለ እንኣምነሉ ኸኣ መምርሒኡ ብምስዓብ ጥበብ ነርኢ ኢና። (ምሳ 16:3, 9) ይኹን እምበር፡ ኣተሓሳስባና ኻብ ናቱ ኣተሓሳስባ እተፈልየ ኪኸውን ከሎ፡ እቲ ኣብ መምርሒኡ ዘሎና እምንቶ ኺፍተን ይኽእል እዩ። ኣብ ፍጥረታቱ ኸነስተንትን ከለና፡ እቲ ኣብ ጥበብ የሆዋ ዘሎና እምንቶ ኺድልድል ይኽእል እዩ።—ምሳ 30:24, 25፣ ሮሜ 1:20።
ነታ ተነዲፉ ድዩ፧ ጻጸ መገዲ ኸይዕጾ ዚጥቀሙሉ ሜላ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
መብዛሕትኦም ጻጸ ኣብ መዓልቲ ኣዘውቲሮም ዚገብርዎ እንታይ እዩ፧
-
ጻጸ መገዲ ኸይዕጾ ዚጥቀምሉ ሜላ እንታይ እዩ፧
-
ደቂ ሰብ ነቲ ጻጸ መገዲ ኸይዕጾ ዚገብርዎ ስርዓት ብኸመይ ኪቐድሕዎ ይኽእሉ፧
ነታ ተነዲፉ ድዩ፧ ንህቢ ዚነፍረሉ መገዲ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ደቂ ሰብ ንኣሽቱ ነፈርቲ ኼብርሩ ኸለዉ፡ እንታይ ጸገማት እዩ ዜጋጥሞም፧
-
እቲ ንህቢ ዚነፍረሉ መገዲ፡ ብሓያል ንፋስ ከይድፋእ ዚሕግዞ ብኸመይ እዩ፧
-
ደቂ ሰብ ነቲ ንህቢ ብባህረት ዝረኸቦ ጥበብ፡ ሓደ መዓልቲ ኺጥቀምሉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
ኣብ እትነብረሉ ኸባቢ ንጥበብ የሆዋ ዜርኢ ኣብ ፍጥረት እንታይ መርትዖ ርኢኻ፧