ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ንጉስኩም መን እዩ፧
እስራኤላውያን ብድፍረት ሰብኣዊ ንጉስ ኪነግሶም ሓቲቶም (1ሳሙ 8:4, 5፣ it-2 163 ¶1)
እስራኤላውያን እቲ ብዓይኒ ዘይርአ የሆዋ፡ መራሒኦም ኰይኑ ኪቕጽል ኣይደለዩን (1ሳሙ 8:7, 8፣ w11 1/1 27 ¶2)
የሆዋ እቲ ዝሓተትዎ ሕቶ ብዛዕባ ዜስዕቦ ሳዕቤን ኣጠንቀቖም (1ሳሙ 8:9, 18፣ w10 15/1 30 ¶9)
የሆዋ ወትሩ ኣብ ልዕሊ ዅሉ ፍጥረቱ ልዑላዊ እዩ። ኣገዛዝኣኡ ሕያውነት ዚንጸባረቖን ንተገዛእቱ ዜኽብርን እዩ። ንኣገዛዝኣኡ እንተ ተኣዚዝናን እንተ ደጊፍናን ዘለኣለማዊ በረኸት ክንረክብ ኢና።
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ ህይወተይ ንኣገዛዝኣ የሆዋ ኸም ዝድግፍ ብኸመይ የርኢ ኣለኹ፧’