ክርስትያናዊ ህይወት
ኣቱም መንእሰያት፡ ንወለድኹም ልብኹም ክፈቱሎም
ንወለድኹም ሓሳብኩም ብግህዶ ኽትገልጽሎም ዘሎኩም ስለምንታይ ኢኹም፧ (ምሳ 23:26) ከመይሲ፡ የሆዋ ኺሓልዩልኩምን ኪመርሕኹም ሓላፍነት ሂብዎም እዩ። (መዝ 127:3, 4) ሻቕሎትኩምን ጭንቀትኩምን ካብኦም ትሓብእዎ እንተ ዄንኩም፡ ንኺሕግዝኹም ኬጸግሞም ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ እቲ ኣብ ህይወቶም ዝረኸብዎ ግብራዊ ተመክሮታት፡ ክትምሃርሉ እትኽእሉ ኣጋጣሚ ኼምልጠኩም ይኽእል እዩ። ንገለ ሓሳባትኩም እንተ ዘይነጊርክምዎም ጌጋ ድዩ፧ ከተታልልዎም ክሳዕ ዘይፈተንኩም ከምኡ ምግባር ጌጋ ኣይኰነን።—ምሳ 3:32።
ንወለድኹም ብኸመይ ክትዛረብዎም ትኽእሉ፧ ንዓኻትኩምን ንዕኦምን ዚጥዕም ግዜ ምረጹ። ከምኡ ምግባር እንተ ኣጸጊምኩም፡ ንሓዲኦም ብደብዳበ ስምዒትኩም ክትገልጽሉም ትኽእሉ ኢኹም። ብዛዕባ ዘይትደልይዎ ጕዳይ ኬዘራርብኹም እንተ ደልዮምከ፧ ብሓቂ ኺሕግዝኹም ከም ዚደልዩ ኣይትረስዑ። ንወለድኹም ከም ጸላእትኹም ዘይኰነስ፡ ከም ፈተውትኹም ጌርኩም ርኣይዎም። እቲ ምስ ወለድኹም እሂን ምሂን ንምባል እተገብርዎ ጻዕሪ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ማለት ኣብ ምሉእ ህይወትኩም ንዘለኣለም ኪጠቕመኩም እዩ።—ምሳ 4:10-12።
ነታ ንእስነተይ—ንወለደይ ብኸመይ ክዛረቦም እኽእል፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ኣስተርን ፓርቲክን ብዛዕባ ገዛእ ርእሶም እንታይ እዮም ተገንዚቦም፧
-
ካብ ኣብነት የሱስ እንታይ ክትምሃር ትኽእል፧
-
ወለድኻ ኸም ዚሓልዩልካ ዘርኣዩኻ ብኸመይ እዮም፧
-
ምስ ወለድኻ ኽትዘራረብ ኪሕግዘካ ዚኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣየናይ እዩ፧