ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ ቃል ኣምላኽ ንዘሎካ እምነት ኣደልድሎ
ቃል ኣምላኽ ንህይወትና ኪቕይሮ ይኽእል እዩ። (እብ 4:12) ይኹን እምበር፡ ካብ መምርሒኡ፡ ካብ ትምህርቱ፡ ካብ ምኽሩ ምእንቲ ኽንጥቀም፡ ብሓቂ “ቃል ኣምላኽ” ምዃኑ ኽንኣምን ኣሎና። (1ተሰ 2:13) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ንዘሎና እምነት ከነደልድል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
መዓልታዊ እተወሰነ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ኣንብብ። መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ፡ የሆዋ ደራሲኡ ምዃኑ መርትዖ ድለ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ምሳሌ ዚርከብ ምኽሪ መርምሮ፡ ግዜ ዘይሓልፎ ጥበብ ምዃኑ ድማ ኣስተብህል።—ምሳ 13:20፣ 14:30።
መጽናዕቲ ጀምር። ምስቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ምዃኑ ዚሕብር መርትዖ ተላለ። ኣብ መሐበሪ ምርምር ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ትሕቲ “መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ርእሰ ነገር፡ “ብድራኸ መንፈስ ኣምላኽ” ዚብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ኣብ ትርጉም ሓዳስ ዓለም ኣብ መመላእታ ጽሑፍ ሀ3 ዚርከብ ሓበሬታ ብምምርማር፡ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይተለወጠ ንዘሎካ እምነት ከተደልድሎ ትኽእል ኢኻ።
ነታ ስለምንታይ እዩ እምነት ዘሎካ—ኣብ ቃል ኣምላኽ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
እቲ ኣብ መንደቕ ቤት መቕደስ ካርና፡ ግብጺ እተረኽበ መርትዖ፡ ቃል ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧
-
መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይተለወጠ ኸመይ ጌርና ንፈልጥ፧
-
መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ኺበጽሕ ምኽኣሉ፡ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧—ኢሳይያስ 40:8 ኣንብብ