ክርስትያናዊ ህይወት
ደቅኻ ኣሳልጦ ኺረኽቡ ንምሕጋዝ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቐም
ክርስትያን ወለዲ፡ ደቆም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ዜሐጕስን ዓስቢ ዘለዎን ህይወት ኪረኽቡ ይደልዩ እዮም። ወለዲ፡ ደቆም ኣሳልጦ ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞም ኬሰልጥንዎም ይኽእሉ እዮም።—ምሳ 22:6።
ነታ ዚጻወር ቤት ህነጽ—ንደቅኻ በታ ኪኸዱላ ዚግብኦም መገዲ ኪኸዱ ኣሰልጥኖም ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ወለዲ ልዙባት ምዃኖም ኬርእዩ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
-
ወለዲ ነቲ ኣብ ያእቆብ 1:19 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ግብሪ ኼውዕልዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
-
ወለዲ ጸገም ኬጋጥም ከሎ እንታይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧