ክርስትያናዊ ህይወት
የሆዋ ኣብ መከራና ይድግፈና
ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት ብዙሕ መከራ የጋጥመና እዩ። ሓድሓደ ግዜ፡ እቲ መከራና ዘይንጾሮ ዀይኑ ኺስምዓና ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ ብቐጻሊ ናብ የሆዋ እንተ ቐሪብና፡ ነቲ ልቢ ዚሰብር መከራ እውን ከይተረፈ ኽንጻወሮ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ። (ኢሳ 43:2, 4) ብመከራ ኽንሓልፍ ከለና፡ ናብ የሆዋ ኽንቀርብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ጸሎት። ልብና ናብ የሆዋ ኸነፍስስ ከለና፡ ክንጻወር ዜኽእለና ሰላምን ስምዒታዊ ሓገዝን ይህበና እዩ።—ፊል 4:6, 7፣ 1ተሰ 5:17።
ኣኼባታት። ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ፡ የሆዋ ኣብ ኣኼባታት ዜዳልወልና መንፈሳዊ ምግብን ምሕዝነትን የድልየና ኣሎ። (እብ 10:24, 25) ንኣኼባ ኽንዳሎ ኸለናን ኣብ ኣኼባ ኽንእከብን ክንሳተፍን ከለናን ካብቲ መንፈስ የሆዋ ዚህቦ ሓገዝ ምሉእ ብምሉእ ንጥቀም ኢና።—ራእ 2:29።
ኣገልግሎት። ኣብ ኣገልግሎት ንጡፋት ኴንና ንምቕጻል ዚከኣለና ዘበለ እንተ ጌርና፡ ኣብ ኣወንታዊ ነገራት ምትኳር ዝቐለለ ይዀነልና። ምስ የሆዋን ምስ ክርስትያናት ብጾትናን ድማ ድልዱል ርክብ ይህልወና።—1ቈረ 3:5-10።
ነታ የሆዋ ኪቕበላካ እዩ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ማሉ ኣብ እዋን መከራኣ ናብ የሆዋ ኽትለግብ ዝሓገዛ እንታይ እዩ፧
-
ንሕና እውን ልክዕ ከም ማሉ፡ እቲ ኣብ መዝሙር 34:18 ዚርከብ ቃላት ኬጸናንዕና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
-
ተመክሮ ማሉ ንሕና እውን መከራ ኼጋጥመና ኸሎ፡ የሆዋ “ኻብ ንቡር ዝሓለፈ ሓይሊ” ኸም ዚህበና ዜረጋግጽ ብኸመይ እዩ፧—2ቈረ 4:7