ክርስትያናዊ ህይወት
ንእዋን በዓል ዝኽሪ ዚኸውን ሸቶ ኣውጽእ
ዓመት ዓመት ህዝቢ የሆዋ፡ ሓቢሮም በዓል ዝኽሪ ኼብዕሉ ይህንጠዩ እዮም። ቅድሚ በዓል ዝኽርን ድሕሪኡን ዘሎ ሰሙናት ንየሆዋ ስለቲ ውህበት በጃ ንምውዳስን ንምምስጋንን ፍሉይ ኣጋጣሚ ንረክብ ኢና። (ኤፌ 1:3, 7) ንኣብነት፡ ንኻልኦት ናብ በዓል ዝኽሪ ንምዕዳም ብዙሕ ንጽዕር ኢና። ገሊኦም ኣብ ወርሒ መጋቢት ወይ ሚያዝያ ሓገዝቲ ፈለምቲ ብምዃን 30 ወይ 50 ሰዓት ንምግልጋል ምትዕርራያት ይገብሩ እዮም። ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሕ ትደሊዶ፧ ነዚ ኽትገብሮ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
መብዛሕትኡ ግዜ ኣቐዲምና ውጥን እንተ ኣውጺእና፡ ኪሰልጠና ይኽእል እዩ። (ምሳ 21:5) በዓል ዝኽሪ እናቐረበ ይመጽእ ስለ ዘሎ፡ ውጥን እነውጽኣሉ እዋን ሕጂ እዩ። ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ ብኸመይ ኣገልግሎትካ ኸም እተስፍሕን ሸቶኻ ኸም እትውቅዕን ሕሰበሉ። ድሕሪኡ፡ የሆዋ ንጻዕርኻ ምእንቲ ኺባርኾ ለምኖ።—1ዮሃ 5:14, 15።
ኣብ እዋን በዓል ዝኽሪ፡ ኣገልግሎትካ ኸተስፍሓሉ እትኽእል ገለ መገድታት ክትሓስብ ትኽእልዶ፧