ክርስትያናዊ ህይወት
ኣተሓሳስባ ኣምላኽ ተምሃር
ኣብ እንገብሮ ዘበለ ዅሉ ንየሆዋ ባህ ከነብሎ ንደሊ ኢና። (ምሳ 27:11) እዚ ኸኣ፡ ንጹር መምርሒ ወይ ትእዛዝ ኣብ ዘይህልወሉ እዋን እውን ከይተረፈ፡ ኣተሓሳስባ የሆዋ ዜንጸባርቕ ውሳነ ምግባር ማለት እዩ። ከምዚ ንምግባር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
ስሩዕ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምግባር። ወትሩ መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከለና፡ ምስ የሆዋ ግዜ ንሓልፍ ከም ዘለና ጌርና ኽንሓስቦ ንኽእል ኢና። የሆዋ ንሰባት ዝሓዘሉ መገዲ ብምዕዛብን ብዛዕባ እቶም ኣብነት ዝዀኑ ወይ መለበሚ ዝዀኑ ኽንምርምር ከለናን ብዛዕባ መገድታቱ ኽንምሃር ንኽእል ኢና። ውሳነ ኽንገብር ከለና፡ መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኻብ ቃል ኣምላኽ እተምሃርናዮ ጠቓሚ ትምህርትታትን ስርዓታትን የዘኻኽረና እዩ።—ዮሃ 14:26።
ምርምር ግበር። ውሳነ ዜድልዮ ጕዳይ ኬጋጥመካ ኸሎ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘የሆዋ ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመኒ ጕዳይ እንታይ ከም ዚስምዖ ንምርዳእ፡ ኣየናይ ጥቕስታት ወይ ጸብጻባት መጽሓፍ ቅዱስ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧’ ምስ ኵነታትካ ዚሰማማዕ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን፡ ብጸሎት ሓገዝ የሆዋ ድለ ኸምኡ እውን ብቛንቋኻ ኣብ ዚርከብ ቲኦክራስያዊ ናውቲ ምርምር ግበር።—መዝ 25:4።
ነታ ብተጻዋርነት ጕየ—መኣዛታት ዘለዎ ምግቢ ተመገብ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ኣብታ ቪድዮ እተራእየት መንእሰይ ሓብቲ እንታይ ጸቕጥታት እዩ ኣጋጢምዋ፧
-
ተመሳሳሊ ጸቕጢ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ናውቲ ምርምር ብኸመይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧
-
ጽቡቕ ውሳነ ንምውሳን፡ ምርምርን ብሕታዊ መጽናዕቲ ምግባርን ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧—እብ 5:13, 14