15-21 ጥሪ
እዮብ 36–37
መዝሙር 147ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ኣብቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት፡ እምነት እተሕድር ስለምንታይ ኢኻ፧
(10 ደቒቕ)
የሆዋ ዘለኣለማዊ እዩ (እዮ 36:26፣ w15 1/10 13 ¶1-2)
የሆዋ፡ ህይወት ቀጻሊ ኪኸውን ዚገብር ጥበብን ሓይልን ኣለዎ (እዮ 36:27, 28፣ w20.05 22 ¶6)
የሆዋ ናይ ዘለኣለም ህይወት ብኸመይ ከም እንረክብ ይምህረና እዩ (እዮ 36:4, 22፣ ዮሃ 17:3)
ኣብቲ ኣምላኽ ዘተስፈዎ ናይ ዘለኣለም ህይወት ዘሎና ድልዱል እምነት፡ ኣብ ህይወት ንዜጋጥመና ጸገማት ክንጻወር ይሕግዘና እዩ።—እብ 6:19፣ w22.10 28 ¶16።
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
-
እዮ 37:20—ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ንዝነበራ ሃገራት ሓበሬታ ብኸመይ ይበጽሐን ነይሩ፧ (it-1 492)
-
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) እዮ 36:1-21 (th መጽናዕቲ 2)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 3)
5. ንግዱሳት ምክትታል
(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 5)
6. እምነትካ ምግላጽ
(5 ደቒቕ) መደረ። ijwfq 57 ¶5-15—ፍረ ነገር፦ ብግዜ ጃምላዊ ቕትለት ናዚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሰጕ ስለምንታይ እዮም፧ (th መጽናዕቲ 18)
መዝሙር 49
7. ሕክምና ወይ መጥባሕቲ ንዜድልየሉ ዅነታት ተዳሎ
(15 ደቒቕ) ምይይጥ። ብሽማግለ ዚቐርብ።
ውድብ የሆዋ ንደም ብዚምልከት ሕጊ የሆዋ ኽንእዘዝ ዚሕግዘና ንዋት ተዳሉ እያ። (ግብ 15:28, 29) እሞኸ ብግቡእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧
ካርድ መምርሒ ኽንክን ጥዕና (DPA) ከምኡ እውን ካርድ መንነት (ic)፦ እዘን ካርድታት፡ እቲ ሕክምናዊ ኽንክን ዜድልዮ ሰብ ብዛዕባ ድሌትን ብዛዕባ ደም ዜተሓሳስቦ ነገራትን ሓበሬታ ዝሓዛ እየን። እተጠምቁ ኣስፋሕቲ፡ ንዓታቶም ካርድ ክንክን ሕክምናዊ መምርሒ፡ ንደቆም ድማ መንነት ወረቐት ካብ ኣገልጋሊ ጽሑፋት ኪወስዱ ይኽእሉ እዮም። እዘን ካርድታት ኵሉ ግዜ ኻባና ኺፍለያ የብለንን። ክትመልአንን ከተመሓይሸንን እንተ ኣድልዩካ ኣይትደናጐ።
ኢንፎርሜሽን ፎር ኤክስፕክታንት ማዘርስ (S-401) ከምኡ እውን ኢንፎርሜሽን ፎር ፐሸንትስ ሰርጀሪ ኦር ኬሞቴራፒ (S-407)፦ እዘን ሰነዳት ንሕክምናዊ ኽንክን፡ እንተላይ ንደም ዚምልከት ሕቶታት ኪለዓል ከሎ ኣቐዲምና ኽንዳሎ ይሕግዛና እየን። ንጥንሲ፡ ንመጥባሕቲ፡ ንክንክን መንሽሮ ዚምልከት ሕክምና እንተ ኣድልዩ፡ ግቡእ ሰነድ ካብ ሽማግለታትካ ኽትቕበል ትኽእል ኢኻ።
ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ (HLC)፦ እቶም ኣባላት ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ዝዀኑ ብቝዓት ሽማግለታት፡ ንዶክተራትን ኣስፋሕትን ንደም ዚምልከት ጕዳያት ሓበሬታ ኺህቡ ሰልጢኖም እዮም። ደም ከይወሰድካ ኣማራጺ ሕክምና ምእንቲ ኽትገብር፡ ምስቲ ትካል ጥዕና ኺመያየጡ ይኽእሉ እዮም። ኣድላይ እንተ ዀይኑ ምስ ዚተሓባበር ሓኪም ኬራኽቡኻ ይኽእሉ እዮም። ለይትን መዓልትን ምሉእ ሰሙን እውን ከይተረፈ ኽትረኽቦም ትኽእል ኢኻ። ኣብ ሆስፒታል ትድቅስ እንተ ዄንካ፡ መጥባሕቲ እንተ ኣድልዩካ፡ ከም መንሽሮ ዝኣመሰለ ሕክምናዊ ኽንክን ዜድልየካ እንተ ዀይኑ፡ ብቑልጡፍ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ተራኸብ—ዋላ እውን ብዘይ ደም ዚግበር ሕክምና ዀይኑ እንተ ተሰምዓካ። እዚ፡ ንነፍሰ ጹር ኣዴታት እውን ዚምልከት እዩ። ኣድራሻ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ እንተ ኣድልዩካ፡ ሓገዝ ንምርካብ ንሽማግለኻ ሕተቶ።
ነታ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ—ብኸመይ እዮም ዚድግፉና፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ሕክምና ወይ መጥባሕቲ ኣብ ዜድልየሉ ዅነታት እቲ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ብኸመይ ኪሕግዝ ይኽእል፧
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ.4 ¶9-12፡ ኣብ ገጽ 34 ዘላ ሳጹን