ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

19-25 ለካቲት

መዝሙር 8–10

19-25 ለካቲት

መዝሙር 2ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ‘ኦ የሆዋ፡ ክውድሰካ እየ’!

(10 ደቒቕ)

የሆዋ ንዓና ኣዝዩ ሕያዋይ እዩ (መዝ 8:3-6w21.08 3 ¶6)

ብዛዕባ ዜደንቕ ግብርታቱ ንኻልኦት ብምንጋር፡ ንየሆዋ ምውዳስ ባህ ይብለና እዩ (መዝ 9:1w20.05 23 ¶10)

ናብኡ ብምሉእ ልብና ኽንዝምር ከለና እውን ንውድሶ ኢና (መዝ 9:2w22.04 7 ¶13)

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ኣብ ምንታይ ካልእ መዳያት እየ ንየሆዋ ዚውድሶ፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 8:3—እቲ ዘማሪ ብዛዕባ ኣጻብዕ ኣምላኽ ኪዛረብ ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (it-1 832)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ብኣምላኽ ከም ዘይኣምን ይነግረካ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 4)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ኣብ ዝሓለፈ ዝርርብ ብኣምላኽ ከም ዘይኣምን ነጊሩካ ነይሩ፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ ንዘርኢ መርትዖ ኺምርምር ግና ፍቓደኛ እዩ። (th መጽናዕቲ 7)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) w21.06 6-7 ¶15-18—ፍረ ነገር፦ ንተምሃራይካ፡ ንየሆዋ ኺውድሶ ሓግዞ። (th መጽናዕቲ 10)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 10

7. ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት፡ ብኸመይ ብባህርያዊ መገዲ ትምስክር፧

(10 ደቒቕ) ምይይጥ።

ንየሆዋ እነቕርቦ ውዳሰ ኸነዕዝዘሉ እንኽእል ሓደ መገዲ፡ ኣብ መዓልታዊ ንጥፈታትና ንእንረኽቦም ሰባት ብምምስካር እዩ። (መዝ 35:28) ዘይወግዓዊ ምስክርነት ኣብ ፈለማ የፍርሃና ይኸውን። ብኸመይ ከም እንጅምርን ብባህርያዊ መገዲ ብኸመይ ከም እንቕጽልን ምስ ለመድናዮ ግና፡ ውጽኢታውያን ንኸውን፡ ወረግ ንፈትዎ ኢና።

ነታ “ብስራት ሰላም” ንምብሳር ድሉው ኩን—ተበግሶ ውሰድ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

ካብዛ ብዘይወግዓዊ ምስክርነት ውጽኢታዊ ኽትከውን እትሕግዘካ ቪድዮ እንታይ ተማሂርካ፧

ዝርርብ ክትጅምር ዚሕግዘካ ገለ ምኽርታት፦

  •   ኣብ ግዳም ኣብ እትዀነሉ እዋን ዝርርብ ንምጅማር እትረኽቦ ኣጋጣሚታት ንምጥቃም ንቑሕ ኩን። ብዛዕባኡ ጸሊ፡ ድሕሪኡ፡ ድማ ቅኑዓት ናብ ዝልቦም ሰባት ምእንቲ ኺመርሓካ ንየሆዋ ለምኖ

  •   ንእትረኽቦም ሰባት ተቐራቢ ኹን፡ ብሕታዊ ተገዳስነት እውን ኣርእዮም። እቲ ሰብ ኣየናይ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚስሕቦ ንምፍላጥ ብዛዕባኡ ኽትፈልጥ ጽዓሪ ግበር

  •   ዚከኣል እንተ ዀይኑ ኣድራሻኻ ኽትህቦ፡ ንሱ እውን ኪህበካ ኣጋጣሚ ኣናዲ

  •   ምስክርነት ቅድሚ ምሃብካ፡ እቲ ዝርርብ እንተ ተቘሪጹ ተስፋ ኣይትቝረጽ

  •   ድሕሪ ዝርርብኩም ብዛዕባ እቲ ሰብ ሕሰብ። ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ ወይ፡ ኣብ jw.org እትርከብ ሓንቲ ዓንቀጽ ብምልኣኽ ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርእዮ

ነዚ ፈትኖ፦ ሓደ ሰብ ‘ቀዳመ ሰንበት ከመይ ነይሩ፧’ እንተ ኢሉካ፡ ብዛዕባ ኣብ ኣኼባ እተምሃርካዮ ኽትነግሮ ወይ፡ ከም መምህር መጽሓፍ ቅዱስ መጠን ዝመሃርካዮ ኽትነግሮ ትኽእል ኢኻ።

8. ነታ ጉባኤ ዜድሊ

(5 ደቒቕ)

9. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 6 ¶1-8 ኸምኡ እውን፡ መእተዊ 2ይ ክፋል

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 65ን ጸሎትን