ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

22-28 ጥሪ

እዮብ 38–39

22-28 ጥሪ

መዝሙር 11ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ግዜ ወሲድካ ፍጥረት ትዕዘብ ዲኻ፧

(10 ደቒቕ)

የሆዋ ንምድሪ ምስ ፈጠረ፡ ብዛዕባ ዕዮኡ ግዜ ወሲዱ ሓሲቡ እዩ (ዘፍ 1:10, 12፣ እዮ 38:5, 6w21.08 9 ¶7)

መላእኽቲ ግዜ ወሲዶም ፍጥረት የሆዋ ተዓዚቦም እዮም (እዮ 38:7w20.08 14 ¶2)

ግዜ ወሲድና ንፍጥረት የሆዋ ንዕዘብን ነድንቕን እንተ ደኣ ዄንና፡ ኣብ የሆዋ ዘሎና እምነት ኪድልድል ይኽእል እዩ (እዮ 38:32-35w23.03 17 ¶8)

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • እዮ 38:8-10—እዘን ፍቕድታት፡ የሆዋ ሓጋጊ ሕግና ብዛዕባ ምዃኑ እንታይ ይምህራና፧ (it-2 222)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(2 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። እቲ ሰብ ኪዛረብ ከም ዘይደለየ እንተ ኣስተብሂልካ፡ ንዝርርብካ ብለውሃት ዛዝሞ። (lmd ትምህርቲ 2 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(5 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ በዓል ቤት ኣብ ቀረባ ግዜ ሰቡ ኸም ዝሞቶ ነጊሩካ ነይሩ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 1—ፍረ ነገር፦ ህሉው ኵነታትን ጠባያት ደቂ ሰብን፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ለውጢ ኸም ዚመጽእ ይሕብር። (th መጽናዕቲ 16)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 111

7. ፍጥረት ምዕዛብ ነቲ ዓቢዪ ጕዳይ ክንዝክር ይሕግዘና

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ሰይጣንን እቶም ሰለስተ ብጾቱን ንእዮብ ምስ ኣጥቅዕዎ፡ ብጸገማቱን በቲ ዘጋጠሞ ዘይፍትሓዊ ወቐሳን ተዋሒጡ ነይሩ።

እዮብ 37:14 ኣንብብ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

እዮብ ከም ብሓድሽ መንፈሳዊ ሚዛኑ ምእንቲ ኽሕሉ እንታይ ኪገብር ነይርዎ፧

ብፈተናታት ክንወሓጥ ከለና፡ ፍጥረት ምዕዛብ ዕቤት የሆዋ ኽንዝክርን ንዕኡ እሙናት ክንከውን ዘሎና ድሌት ከነደልድልን በቲ ንዓና ኣብ ምክንኻን ዘለዎ ኽእለት ክንተኣማመንን ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ማቴ 6:26

ነታ ኣብ መጽሓፍ እዮብ ዚርከብ ትምህርቲ—እንስሳታት ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

እዛ ቪድዮ ኣብ የሆዋ ዘሎካ እምነት ዘደልደለልትልካ ብኸመይ እያ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 4 ¶13-20

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 54ን ጸሎትን