ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

26 ለካቲት–3 መጋቢት

መዝሙር 11–15

26 ለካቲት–3 መጋቢት

መዝሙር 139ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ንርእስኻ ኣብታ ሰላም ዝሰፈና ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ከም ዘላ ጌርካ ስኣላ

(10 ደቒቕ)

ሰባት ሕግን ስርዓትን ስለ ዘየኽብሩ፡ ዓመጻ መሊኡ ኣሎ (መዝ 11:2, 3w06 15/5 18 ¶3)

የሆዋ ኣብ ቀረባ እዋን ንዓመጻ ኸም ዜጥፍኦ ኽትተኣማመን ትኽእል ኢኻ (መዝ 11:5wp16.4 11)

ኣብቲ የሆዋ ዘተስፈዎ ድሕነት ነስተንትን እንተ ደኣ ዄንና፡ ንሓዳስ ዓለም ብትዕግስቲ ኽንጽበያ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ (መዝ 13:5, 6w17.08 7 ¶15)

ነዚ ፈትኖ፦ ንህዝቅኤል 34:25 ኣንብባ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ንርእስኻ ኣብቲ ዅነታት ኣእቲኻ ስኣላ።—kr 236 ¶16

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 14:1—ክርስትያናት በዚ ኣብዚ ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳባት ኪጽለዉ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (w13 15/9 19 ¶12)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(2 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ነቲ ብዓል ቤት ናብ በዓል ዝኽሪ ዓድሞ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 3)

5. ዝርርብ ምጅማር

(1 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ነቲ ብዓል ቤት ናብ በዓል ዝኽሪ ዓድሞ። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 4)

6. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ንወረቐት ዕድመ በዓል ዝኽሪ ተገዳስነት የርኢ። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 4)

7. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 13፡ ጽማቝ፡ ክለሳ፡ ሸቶ። ካብ ዳህስስ ንተምሃራይካ ኣምላኽ ብዛዕባ ናይ ሓሶት ሃይማኖት ዘለዎ ኣርኣእያ ሓንቲ ዓንቀጽ ኣርእዮ። (th መጽናዕቲ 12)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 8

8. “ጥበብ ካብ ኣጽዋር ውግእ ትሓይሽ”

(10 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣብ መላእ ዓለም ዓመጻ ይውስኽ ኣሎ። እዚ እንርእዮን ዜጋጥመናን ዘሎ ዓመጻ ኸም ዜጨንቐና የሆዋ ይፈልጥ እዩ። ዕቝባ ኸም ዘድለየና እውን ይርዳእ እዩ። ሓደ ኻብቲ ንዓና ዜዕቍበሉ መገዲ ድማ ብቓሉ መጽሓፍ ቅዱስ ኣቢሉ እዩ።—መዝ 12:5-7

መጽሓፍ ቅዱስ “ካብ ኣጽዋር ውግእ” ዚሓይሽ ጥበብ ዝሓዘ እዩ። (መክ 9:18) እዚ ስዒቡ ዘሎ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ግዳይ ዓመጻ ኻብ ምዃን ብኸመይ ኬዕቝበና ኸም ዚኽእል ንርአ።

  • መክ 4:9, 10—ውሑስ ኣብ ዘይኰነ ቦታ ወይ ኵነታት ንበይንኻ ኣይትኹን

  • ምሳ 22:3—ህዝቢ ኣብ ዝበዝሖ ኽትከውን ከለኻ፡ ኣብ ከባቢና እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ኣስተብህል

  • ምሳ 26:17—ካብ ባእሲ ርሓቕ

  • ምሳ 17:14—ኣብቲ ቦታ ዓመጻ እንተ ተላዒሉ ኻብኡ ውጻእ። ካብቶም ተጻባእቲ እውን ርሓቕ

  • ሉቃ 12:15—ንብረትካ ንምክልኻል ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ኣይተእቱ

ነታ ንዘይእሙናት ዘይኰነስ፡ ንእሙናት ምሰሎም—ንላሜክ ዘይኰነስ፡ ንሄኖክ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ንሰማዕቲ ሕተቶም፦

ዓመጻ ምስ ኣጋጠመ ኣብነት ሄኖክ፡ ንውሳነን ባህርይን እቲ ኣቦ ብኸመይ ጸልይዎ፧—እብ 11:5

ኣብ ገሊኡ ዅነታት፡ ሓደ ክርስትያን ህይወቱን ንብረቱን ንምክልኻል ርትዓዊ ስጕምቲ ኺወስድ ከም ዘለዎ ይስምዖ ይኸውን። ከምኡ ኺገብር እንተ ዀይኑ፡ ህይወት ሰብ ከየጥፍእን ብዕዳ ደም ተሓታቲ ኸይከውንን ዚከኣሎ ዘበለ ኺገብር ኣለዎ።—መዝ 51:14፣ ኣብ ናይ ሓምለ 2017 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ርአ።

9. ቀዳም 2 መጋቢት ዚጅምር ወፈራ በዓል ዝኽሪ

(5 ደቒቕ) ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። ንፍሉይ መደረን ንበዓል ዝኽርን ብዚምልከት እተገብረ ምድላዋት ግለጽ። ኣስፋሕቲ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዀይኖም ኣብ መጋቢትን ኣብ ሚያዝያን ን15 ሰዓት ኬገልግሉ ኺመርጹ ኸም ዚኽእሉ ኣዘኻኽሮም።

10. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 6 ¶9-17

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 40ን ጸሎትን