29 ጥሪ–4 ለካቲት
እዮብ 40–42
መዝሙር 124ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)
1. ካብ ተመክሮ እዮብ ዚርከብ ትምህርቲ
(10 ደቒቕ)
ምስ የሆዋ ዚወዳደር ፍልጠት ከም ዘይብልካ ኣይትረስዕ (እዮ 42:1-3፣ w10 15/10 3-4 ¶4-6)
ካብ የሆዋን ካብ ውድቡን ምኽሪ ኽትቅበል ፍቓደኛ ኹን (እዮ 42:5, 6፣ w17.06 25 ¶12)
የሆዋ ነቶም ፈተና እናጋጠሞም ክነሶም፡ ንዕኡ እሙናት ዚዀኑ ሰባት ዓስቦም ይህቦም (እዮ 42:10-12፣ ያእ 5:11፣ w22.06 25 ¶17-18)
2. መንፈሳዊ ሃብቲ
(10 ደቒቕ)
-
እዮ 42:7—እቶም ሰለስተ ብጾት እዮብ ኣንጻር መን እዮም ዚዛረቡ ነይሮም፧ እዚ ምፍላጥናኸ ላግጺ ኽንጻወር ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧ (it-2 808)
-
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧
3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
(4 ደቒቕ) እዮ 42:1-17 (th መጽናዕቲ 11)
4. ዝርርብ ምጅማር
(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። እቲ ብዓል ቤት ካብ ክርስትና እተፈለየ እምነት ኣለዎ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 3)
5. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር
6. መደረ
(4 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 2—ፍረ ነገር፦ ምድሪ ኸቶ ኣይክትጠፍእን እያ። (th መጽናዕቲ 13)
መዝሙር 108
7. ንኻልኦት ፍቕሪ የሆዋ ኼስተማቕሩ ሓግዞም
(15 ደቒቕ) ምይይጥ።
ነቲ ፈቃር ዝዀነ ኣምላኽ ምምላኽ የሐጕሰና እዩ። (1ዮሃ 4:8, 16) ፍቕሪ የሆዋ ናብኡ ኽንቀርብን ካብኡ ኸይንርሕቕን ትድርኸና። ከም ኣባጊዕ የሆዋ መጠን፡ ንሱ ኸም ዘፍቅረና ይስምዓና እዩ።
ንኣባላት ስድራ ቤትናን ንክርስትያናት ብጾትናን ንኻልኦትን ብእንሕዘሉ መገዲ ናይ የሆዋ ዝዓይነታ ፍቕሪ ኸነርኢ ዚከኣለና ኽንገብር ኣሎና። (እዮ 6:14፣ 1ዮሃ 4:11) ንኻልኦት ፍቕሪ ብምርኣይ ንየሆዋ ኺፈልጥዎን ናብኡ ኪቐርቡን ክንሕግዞም ንኽእል ኢና። ፍቕሪ ዘይነርኢ እንተ ዄንና፡ ካልኦት ፍቕሪ የሆዋ ንኼስተማቕሩ ኺጽገሙ ይኽእሉ እዮም።
ነታ ኣብ ስድራ ቤት የሆዋ ክርስትያናዊት ፍቕሪ ረኺብና ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦
ካብ ተመክሮ ለይ ለይን ሚሚን፡ ፍቕሪ ምርኣይ ዘለዎ ኣገዳስነት እንታይ ትምህርቲ ረኺብካ፧
ክርስትያናት ብጾትና ፍቕሪ የሆዋ ምእንቲ ኼስተማቕሩ ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧
-
ክቡራት ኣባጊዕ የሆዋ ኸም ዚዀኑ ጌርና ንርኣዮም።—መዝ 100:3
-
ብዚሃንጽ መገዲ ንዛረቦም።—ኤፌ 4:29
-
ስምዒቶም ንርድኣሎም።—ማቴ 7:11, 12
8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ
(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 5 ¶1-8፡ ኣብ ገጽ 39 ዘላ ሳጹን