ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

8-14 ጥሪ

እዮብ 34–35

8-14 ጥሪ

መዝሙር 30ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ኣብ ህይወት ዘይፍትሓዊ ነገር ምስ ዜጋጥመካ

(10 ደቒቕ)

ምንጪ ዘይፍትሓውነት የሆዋ ኸም ዘይኰነ ዘክር (እዮ 34:10wp19.1 8 ¶2)

እኩያት ሰባት ብሰንኪ ሕማቕ ተግባራቶም ዘይቅጽዑ ይመስሉ ይዀኑ፡ ካብ የሆዋ ግና እተሓብኡ ኣይኰኑን (እዮ 34:21-26w17.04 10 ¶5)

ግዳይ ዘይፍትሓውነት ንዝዀኑ ሰባት እንሕግዘሉ ብሉጽ መገዲ፡ ብዛዕባ የሆዋ ብምምሃር እዩ (እዮ 35:9, 10፣ ማቴ 28:19, 20w21.05 7 ¶19-20)

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • እዮ 35:7—ኤሊሁ “[ንኣምላኽ] እንታይ ኢኻ እትህቦ፧” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ፧ (w17.04 29 ¶3)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ኣብ በቤት። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጀምር (lmd ትምህርቲ 10 ነጥቢ 3)

5. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ንሓደ ንኣሽቱ ውሉዳት ዘለውዎ፡ ንወለዲ ዚኸውን ሓገዝ ኣብ jw.org ብኸመይ ከም ዚረክብ ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 4)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 58

7. ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ‘ነቲ ቓል ክትሰብኽ’ ትደሊ ዲኻ፧

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ “ነቲ ቓል ስበኽ፣ . . . ብህጹጽ ግበሮ” ኢሉ ተላብዩዎ ኣሎ። (2ጢሞ 4:2) እታ “ብህጹጽ ግበሮ” እትብል ናይ ግሪኽኛ ቓል፡ ሓድሓደ ግዜ ኣብ ወተሃደራዊ መዓላ እውን ትውዕል እያ፣ እዚ ኸኣ ንሓደ ኣብ ምዱብ ቦታኡ ድሉው ዝዀነ ወተሃደር ወይ ሓላዊ ዜመልክት እዩ። እዚ መግለጺ እዚ፡ ተራ ንዝዀነ ዝርርብ ናብ ምስክርነት ክንቅይሮ ወትሩ ንቑሓት ናይ ምዃን ድሌትና ጽቡቕ ገይሩ ይገልጾ እዩ።

ንየሆዋ ዘሎና ፍቕርን ነቲ ዘለና ዅሉ ነገራት ዘሎና ሞሳን ንኻልኦት ብዛዕባ ጽቡቕ ባህርያቱ ኽንነግሮም ይድርኸና እዩ።

መዝሙር 71:8 ኣንብብ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

ንኻልኦት ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ጽቡቕ ነገር ክትነግሮም ትደሊ፧

ንሰባት ዘሎና ፍቕሪ እውን ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ኽንምስክረሎም ይድርኸና እዩ።

ነታ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ዝረኸብሉ መገዲ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

  •   ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቅታት ኪረኽቡ ዘይወግዓዊ ምስክርነት እንታይ እጃም ነይርዎ፧

  •   ኣባላት ቤት ክርስትያን ዝነበሩ ሓቂ ብምፍላጦም እንታይ ጥቕሚ ረኺቦም፧

  • ንሰባት ዘላትና ፍቕሪ ኣብ ዘይወግዓዊ ምስክርነት ክንሳተፍ እትድርኸና ብኸመይ እያ፧

  • ኣብ ገሊኡ መዳያት ዘይወግዓዊ ምስክርነት፡ ገሊኦም ሰባት ንየሆዋ ኺፈልጥዎ ኣብ ምሕጋዝ ውጽኢታዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 138ን ጸሎትን