ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

24 ለካቲት–2 መጋቢት

ምሳሌ 2

24 ለካቲት–2 መጋቢት

መዝሙር 35ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ጽዑቕ ብሕታዊ መጽናዕቲ ኽትገብር ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

(10 ደቒቕ)

ንሓቂ ኣድናቖት ንምርኣይ (ምሳ 2:3, 4w22.08 19 ¶16)

ጽቡቕ ውሳነ ንምግባር (ምሳ 2:5-7w22.10 19 ¶3-4)

እምነትካ ንምድልዳል (ምሳ 2:11, 12w16.09 23 ¶2-3)

ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፡ ‘ብሕታዊ መጽናዕቲ ናይ ምግባር ልማደይ ብኸመይ ከመሓይሾ እኽእል፧’

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • ምሳ 2:7—የሆዋ ነቶም “ብንጽህና ዚመላለሱ” ዋልታ ዚዀኖም በየናይ መገዲ እዩ፧ (it-1 1211 ¶4)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ኣብ በቤት። ነቲ ብዓል ቤት ንሰብ ሓዳር ዝኸውን ሓጋዚ ሓበሬታ ኻብ jw.org ብኸመይ ከም ዚረክብ ኣርእዮ። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 3)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ኣብ ዝሓለፈ ምይይጥኩም ዘገደሶ ርእሰ ነገር፡ ዝሓዘት መጽሔት ኣበርክተሉ። (lmd ትምህርቲ 9 ነጥቢ 3)

6. መደረ

(5 ደቒቕ) lmd መመላእታ ጽሑፍ ሀ ነጥቢ 8—ፍረ ነገር፦ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑ ይግባእ። (th መጽናዕቲ 13)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 96

7. ንሕቡእ መዛግብቲ ሃለው ትብል ዲኻ፧

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ኣቱም መንእሰያት፡ ሕቡእ መዛግብቲ ምድላይ ትፈትዉዶ፧ ትፈትዉ እንተ ዄንኩም፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ዩኒቨርስ ዝለዓለ ዋጋ ንዘለዎ ማለት፡ ንፍልጠት ኣምላኽ ሃለው ክትብሉ ይዕድመኩም ኣሎ። (ምሳ 2:4, 5) ንስሩዕ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ግዜ ብምምዳብን ኣብቲ ዘንበብኩምዎ ዅዕታ ብምግባርን ነዚ መዛግብቲ ኸተጥርይዎ ትኽእሉ ኢኹም። ከምኡ እንተ ጌርኩም ኽትሕጐሱን ዓስቢ ኽትረኽቡን ኢኹም።

  • መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ ንርእስኻ ነየናይ ሕቶታት ክትሓትታ ትኽእል፧ (w24.02 32 ¶2-3)

  • መልስታት ንምርካብ ነየናይ ናውቲ ኽትጥቀም ትኽእል፧

እቲ ኻብ ኣዕሩኽ የሆዋ ተምሃር ዘርእስቱ ተኸታታሊ ቪድዮታት፡ ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘንበብካዮ ብኸመይ ከም እተስተንትነሉ ኺሕግዘካ እዩ።

ነታ ኻብ ኣዕሩኽ የሆዋ ተምሃር—ኣቤል ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ

ዘፍጥረት 4:2-4 እብራውያን 11:4ን ኣንብብ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ኣቤል፡ ዓርኪ የሆዋ ኸም ዝዀነ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

  • ኣቤል ኣብ የሆዋ ዘለዎ እምነት ዘደልደለ ብኸመይ እዩ፧

  • እምነትካ ብኸመይ ከተደልድል ትኽእል፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 23 ¶1-8 ኸምኡ እውን፡ መእተዊ 8ይ ክፋል

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 102ን ጸሎትን