ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

27 ጥሪ–2 ለካቲት

መዝሙር 140–143

27 ጥሪ–2 ለካቲት

መዝሙር 44ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ምስ ልማኖኻ ዚሰማማዕ ስጕምቲ ውሰድ

(10 ደቒቕ)

ምኽሪ ንምቕባል ፍቓደኛ ኹን (መዝ 141:5w22.02 12 ¶13-14)

የሆዋ ኣብ ዝገበሮ ምድሓን ኣስተንትን (መዝ 143:5w10 15/3 32 ¶4)

ከም ናይ የሆዋ ዓይነት ኣረኣእያ ይሃሉኻ (መዝ 143:10w15 15/3 32 ¶2)

መዝሙር 140–143 ብዛዕባ ልመና ዳዊት ጥራይ ዘይኰነስ፡ ምስ ልመናኡ ዚሰማማዕ እንታይ ስጕምቲ ኸም ዝወሰደ እውን ትገልጽ እያ።

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 140:3—ዳዊት ንልሳን እኩያት ምስ ተመን ዘመሳሰሎ ስለምንታይ እዩ፧ (it-2 1151)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። ንሓደ ሰብ ግብራዊ ብዝዀነ መገዲ ምስ ሓገዝካዮ ዝርርብ ጀምር። (lmd ትምህርቲ 3 ነጥቢ 5)

5. ንግዱሳት ምክትታል

(3 ደቒቕ) ብግህዶ ዚግበር ምስክርነት። እቲ ሰብ ትሑዝ ከም ዝዀነ ይነግረካ። (lmd ትምህርቲ 7 ነጥቢ 3)

6. እምነትካ ምግላጽ

(5 ደቒቕ) መርኣያ። ijwfq ዓንቀጽ 21—ፍረ ነገ፦ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምምሕልላፍ ደም ዘይቅበሉ ስለምንታይ እዮም፧ (th መጽናዕቲ 7)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 141

7. ሕክምና ወይ መጥባሕቲ ንዜድልዮ ዅነታት ተዳሎ

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

የሆዋ “ብግዜ ጭንቂ ብቐሊሉ ዚርከብ ረድኤት” ከም ዚዀነልና ቓል ኣትዩ እዩ። (መዝ 46:1) ሕክምና ወይ መጥባሕቲ ዜድልዮ ነገር ኬጋጥም ከሎ፡ ክንጭነቕ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግና፡ የሆዋ ንኸምዚ ዓይነት ኵነታት ምእንቲ ኽንዳሎ፡ ዜድልየና ዘበለ ሂቡና ኣሎ። ንኣብነት፡ ብውድቡ ኣቢሉ ካርድ መምርሒ ኽንክን ጥዕና (DPA)፡ ካርድ መንነት፡ a ካልእ ሓበሬታ ሕክምና ዝሓዘ ሰነዳት፡ b ከምኡ እውን ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ (HLC) ኣዳልዩልና ኣሎ። እዚ መሰናድዎታት፡ ነቲ የሆዋ ብዛዕባ ደም ዝሃቦ ሕጊ ኽንእዘዝ ይሕግዘና።—ግብ 15:28, 29

ነታ ሕክምና ንዜድልዮ ዅነታት ተዳሊኻ ዲኻ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዘን ዚስዕባ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • ገሊኦም ካርድ መምርሒ ኽንክን ጥዕና ብምምላኦም እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧

  • ገሊኦም ካብታ ንነፍሰ ጾር ኣዴታት ዚኸውን ሓበሬ  (S-401) ዘርእስታ ሰነድ እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧

  • ኣብ ሆስፒታል ትድቅስ እንተ ዄንካ፡ መጥባሕቲ እንተ ኣድልዩካ፡ ከም መንሽሮ ዝኣመሰለ ሕክምናዊ ኽንክን ዜድልየካ እንተ ዀይኑ፡ ብዘይ ደም ዚግበር ሕክምና እውን እንተዀነ ብቑልጡፍ ምስ ሆስፒታል ዜረዳድእ ኮሚተ ክትራኸብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 21 ¶14-22

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 103ን ጸሎትን

a እተጠምቁ ኣስፋሕቲ ንዓታቶም ካርድ መምርሒ ኽንክን ጥዕና፡ ንደቆም ድማ መንነት ወረቐት ካብ ኣገልጋሊ ጽሑፋት ኪወስዱ ይኽእሉ እዮም።

b ንነፍሰ ጾር ኣዴታት ዚኸውን ሓበሬታ (S-401)፡ ሓበሬታ ነቶም መጥባሕቲ ወይ ኬሞተራፒ ኪግበረሎም ዜድልዮ ሕማም ዘለዎም ሰባት (S-407)፡ ከምኡ እውን ሕክምናዊ ሓግዝ ዜድልዮም ውሉዳት ንዘለዎም ወለዲ ዚኸውን ሓበሬታ (S-55) እንተ ኣድልዩካ ኻብ ሽማግለታት ክትቕበል ትኽእል ኢኻ።