ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

6-12 ጥሪ

መዝሙር 134ን ጸሎትን | መእተዊ ሓሳባት (1 ደቒቕ)

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

1. ኣቱም ወለዲ ንኽቡራት ውሉዳትኩም ተኸናኸንዎም

(10 ደቒቕ)

ወለዲ ስድራኦም ዜድልያ ነገር ኣብ ምምላእ ዚገብርዎ ጻዕሪ የሆዋ ኸም ዚሕግዞም ኪተኣማመኑ ይኽእሉ እዮም (መዝ 127:1, 2)

ውሉዳት፡ ክቡር ውህበት የሆዋ እዮም (መዝ 127:3w21.08 5 ¶9)

ንነፍሲ ወከፍ ደቅኹም ከከም ዜድልዮም ኣሰልጥንዎም (መዝ 127:4w19.12 26 ¶20)

የሆዋ፡ ወለዲ ኣብኡ ኺውከሉን ደቆም ንምክንኻን ዚከኣሎም ኪገብሩን ከለዉ ይሕጐስ እዩ

2. መንፈሳዊ ሃብቲ

(10 ደቒቕ)

  • መዝ 128:3—እቲ ዘማሪ ንቘልዑ ምስ ጨናፍር ኦም ኣውልዕ ዜነጻጽሮም ስለምንታይ እዩ፧ (it-1 543)

  • ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብካዮ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ መንፈሳዊ ሃብቲ ረኺብካ፧

3. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ

4. ዝርርብ ምጅማር

(3 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። (lmd ትምህርቲ 1 ነጥቢ 3)

5. ዝርርብ ምጅማር

(4 ደቒቕ) ዘይወግዓዊ ምስክርነት። እቲ ሰብ ምስ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጋጮ እምነቱ ይገልጽ። (lmd ትምህርቲ 5 ነጥቢ 4)

6. ደቀ መዛሙርቲ ምግባር

(5 ደቒቕ) lff ትምህርቲ 16 ነጥቢ 4-5። ተምሃራይካ ኣብ ዘይትህልወሉ እዋን መጽናዕቱ ምእንቲ ኪቕጽል ብዛዕባ ዝገበርካሉ ምትዕርራይ ተመያየጡ። (lmd ትምህርቲ 10 ነጥቢ 4)

ክርስትያናዊ ህይወት

መዝሙር 13

7. ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብኣብነትኩም ምሃርዎም

(15 ደቒቕ) ምይይጥ።

ውድብ የሆዋ፡ ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ የሆዋ ንምምሃር ዚሕግዝ ማእለያ ዘይብሉ ሕታማት ኣዳልያ ኣላ። እንተዀነ ግና፡ ወለዲ ንደቆም ዚምህሩሉ እቲ ብሉጽ መገዲ፡ ኣብነት ብምዃን እዩ።—ዘዳ 6:5-9

የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ንምምሃር ነዚ ብሉጽ መገዲ እዩ ተጠቒሙ።

ዮሃንስ 13:13-15 ኣንብብ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዛ እትስዕብ ሕቶ ሕተቶም፦

  • የሱስ ብኣብነቱ ምምሃሩ ውጽኢታዊ ዝዀነ ስለምንታይ ይመስለካ፧

ከም ወለዲ መጠን ነቲ ንደቅኹም ብቓል እትነግርዎም፡ ተግባርኩም የራጕዶ እዩ። ብዘይካዚ፡ ጽቡቕ ኣብነትኩም ነቲ እትምህርዎም ኣኽብሮት ኬማዕብሉን ንኺሰምዕኹም ኪድረኹን የኽእሎም እዩ።

ነታ ንደቅና ብኣብነትና ንምሃሮም። ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ ድሕሪኡ፡ ንሰማዕቲ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ሕተቶም፦

  • እንዳ ሓውና ጋርሲያ ንደቆም እንታይ ኣገዳሲ ትምህርቲ እዮም ምሂሮመን፧

  • ወለዲ ንደቅኹም ጽቡቕ ኣብነት ብምዃን ዝመጸ ኻብዛ ቪድዮ እንታይ ተማሂርኩም፧

8. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ

(30 ደቒቕ) bt ምዕ. 20 ¶13-20

መዛዘሚ ሓሳባት (3 ደቒቕ) | መዝሙር 73ን ጸሎትን