ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ጥሪ 2016
ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ግምቢ ዘብዐኛን ብስራት ኣምላኽን ንምብርካት ዚኸውን ሓሳባት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባታት ኣዳሉ።
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
ናይ ሓቂ ኣምልኾ ጻዕሪ ይሓትት
ነቲ ንጉስ ህዝቅያስ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምምላስ ዝነበሮ ቘራጽነት ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ከምኡ ኽትገብር ምእንቲ ኺሕግዘካ ድማ፡ ነቲ ኣብ 2 ዜና መዋእል 29-30 ዘሎ ጸብጻባት ዚምልከት ስእላዊ መግለጺታትን ካርታን ሰሌዳ ግዜን ተጠቐመሉ።
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ተጠቒምካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም እትመርሕ
ብብሮሹር ብስራት ኣምላኽ ተጠቒምካ ውጽኢታዊ ዝዀነ መጽናዕትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ዚሕግዝ ሓሙሽተ ቐሊል መገድታት።
ክርስትያናዊ ህይወት
ቦታታት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምህናጽን ንምጽጋንን ዘሎና ፍሉይ መሰል
ኣብ ቦታታት ኣምልኾና ንቕዱስ ኣገልግሎት ዘሎና ቕንኣትን ፍቕርን ኸነርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
የሆዋ ንናይ ሓቂ ንስሓ ኣኽቢሩ ይርእዮ
ንጉስ ምናሴ ዘርኣዮ ናይ ሓቂ ንስሓ ኣወንታዊ ጽልዋታት ነይርዎ። ቅድሚ ምርኮ ዝነበረ ግዝኣቱን ምስቲ ኻብ ባቢሎን ምስ ተመልሰ ዝነበረ ኣነጻጽሮ። (2 ዜና መዋእል 33-36)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
የሆዋ ነቲ ዘተስፈዎ ተስፋ ኸይፈጸሞ ኣይተርፍን
ነቲ ኣብ እዝራ 1-5 ዘሎ ጸብጻብ ዚምልከት ሰሌዳ ግዜ። እቶም ካብ ባቢሎን እተመልሱ ኣይሁድ ከቢድ ዕንቅፋታት እኳ እንተ ኣጋጠሞም፡ ናይ ሓቂ ኣምልኾ መሊሶምን ቤተ መቕደስ ዳግም ሃኒጾምን እዮም።
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
የሆዋ ብፍታዎም ዚዓይዩ ኣገልገልቲ ይደሊ
እዝራን እቶም ምስኡ ናብ የሩሳሌም እተመልሱን ድልድልቲ እምነትን ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕንኣትን ትብዓትን የድልዮም ነይሩ። ነቲ ስእልን ካርታን ተጠቒምካ፡ ነቲ ዝገበርዎ ጕዕዞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ።
ክርስትያናዊ ህይወት
ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ንተመላሊስካ ምብጻሕ መሰረት ኣንብር
ነቶም ኣብ ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ዘርኣዩ ውጺኢታዊ ዝዀነ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብረሎም ዚሕግዝ ሰለስተ ስጕምቲ።