ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ቦታታት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምህናጽን ንምጽጋንን ዘሎና ፍሉይ መሰል

ቦታታት ናይ ሓቂ ኣምልኾ ንምህናጽን ንምጽጋንን ዘሎና ፍሉይ መሰል

እቲ ኣብ እስራኤል ዝነበረ ቤተ መቕደስ ብብዙሕ ዕዮን ወጻኢታትን እዩ ተሰሪሑ። ይኹን እምበር፡ እስራኤላውያን ብቕንኣት ነቲ ዕዮ ደጊፎምዎ እዮም። (1ዜና 29:2-9፣ 2ዜና 6:7, 8) እቲ ቤተ መቕደስ ምስ ተወድአ ድማ፡ እቲ እስራኤላውያን ነቲ ቤተ መቕደስ ዚገብሩሉ ዝነበሩ ጽገና መንፈሳውነቶም ዜንጸባርቕ እዩ ነይሩ። (2ነገ 22:3-6፣ 2ዜና 28:24፣ 29:3) ሎሚ እውን፡ ክርስትያናት ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽን ዓበይቲ ኣዳራሻትን ንምህናጽን ንምጽራይን ንምጽጋንን ግዜኦምን ጕልበቶምን ይውፍዩ እዮም። ይኹን እምበር፡ በዚ ኸምዚ ንየሆዋ ምግልጋል፡ ዓብዪ መሰልን ቅዱስ ኣገልግሎትን እዩ።—መዝ 127:1፣ ራእ 7:15

በዚ ዚስዕብ መገዲ እጃምና ኸነበርክት ንኽእል ኢና፦

  • ደድሕሪ ኣኼባ ንዅሉ ኸምቲ ዝነበሮ ጌርካ ኣጸራርዮ። ከምኡ ኽትገብር ዘይትኽእል እንተ ዄንካ፡ ኣብ ጥቓ ኾፍ መበሊኻ ንዘሎ ኸባቢ ጥራይ ኣጽሪ።

  • ኣብቲ ኣዘውቲርካ ዚግበር ጽሬትን ጽገናን ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተሳተፍ። ንሓደ ዕዮ ሓቢርካ ምስ እትዓይዮ ባህ ዜብልን ቀሊልን እዩ ዚኸውን።—lv 92-93 ¶18

  • ገንዘባዊ ደገፍ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ካብ ልብኻ ተደሪኽካ እትህበን ‘ብዙሕ ዋጋ ዘይብለን ክልተ ሰናቲም’ እውን ንየሆዋ የሐጕሳኦ እየን።—ማር 12:41-44

  • ትኽእል እንተ ዄንካ፡ ቲኦክራስያዊ ህንጻታት ኣብ ምህናጽን ምጽጋንን ብወለንታ ዕየ። ኣብኡ ንኽትካፈል ግድን ተመክሮ ህንጸት ኣየድልየካን እዩ።