ክርስትያናዊ ህይወት
መስጐጕቲ ንዚወርዶም ክርስትያናት ኣብ ጸሎትካ ዘክሮም
ሰይጣን ኣገልግሎትና ምእንቲ ኼተዓናቕፍ፡ መሰጐጕቲ ኸም ዜውርደልና፡ መጽሓፍ ቅዱስ ይንበ እዩ። (ዮሃ 15:20፣ ራእ 12:17) ኣብ ካልኦት ሃገራት ንዚርከቡ መስጐጕቲ ዚወርዶም ክርስትያን ብጾትና ብኸመይ ክንሕግዞም ንኽእል፧ ምእንታኦም ክንጽሊ ንኽእል ኢና። ከመይሲ፡ “ምህለላ ጻድቕ ሓያልን መስለጢትን እያ።”—ያእ 5:16።
እንታይ ኢልና ኽንጽሊ ንኽእል፧ የሆዋ ንኣሕዋትናን ንኣሓትናን ትብዓት ኪህቦምን ከይፈርሁ ኺሕግዞምን ክንሓትቶ ንኽእል ኢና። (ኢሳ 41:10-13) ሰበ ስልጣን ነቲ ናይ ስብከት ዕዮና ምእንቲ ኺድግፍዎ ኽንጽልየሎም ንኽእል ኢና፣ ከምኡ እንገብር ድማ “ብህድኣትን ብርግኣትን ምእንቲ ኽንነብር” ኢልና ኢና።—1ጢሞ 2:1, 2።
ጳውሎስን ጴጥሮስን መስጐጕቲ ምስ ወረዶም፡ እቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት፡ ስሞም ጠቒሶም ጸልዮምሎም እዮም። (ግብ 12:5፣ ሮሜ 15:30, 31) ሎሚ ንዅሎም እቶም መስጐጕቲ ዚወርዶም ዘሎ ኣሕዋትና ብስሞም ዘይንፈልጦም እኳ እንተ ዀንና፡ ጉባኤኦም፡ ሃገሮም ወይ ዞባኦም ጠቒስና ኽንጽልየሎም ንኽእልዶ፧