ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 1-3

“መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ”

“መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ”

3:4

  • ክዳውንትን ትርኢትን ዮሃንስ፡ ምሉእ ብምሉእ ውፉይ ኰይኑ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር፡ ቀሊል ናብራ ኸም ዚነብር ዜርኢ እዩ ነይሩ

  • ዮሃንስ፡ ብዛዕባ ምምጻእ የሱስ ኣቐዲሙ ኺሕብር ፍሉይ መሰል ነይርዎ፣ እዚ ድማ ካብ ዝኸፈሎ ዝዀነ ይኹን መስዋእቲ ዚበልጽ እዩ ነይሩ

ቀሊል ናብራ ምንባር፡ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ ብዙሕ ክንዓይን ብዙሕ ዕግበት ክንረክብን ይሕግዘና እዩ። ከምዚ ዚስዕብ ብምግባር ናብራኻ ኸተቕልል ትኽእል ኢኻ፦

  • ብሓቂ ዜድልየካ ፍለጥ

  • ዘየድሊ ወጻኢታት ነኪ

  • ኪኸውን ዚኽእል ባጀት ኣዳሉ

  • ዘይትጥቀመሉ ነገር ኣወግድ

  • ዕዳኻ ኽፈል

  • ዓለማዊ ስራሕካ ነኪ

ዮሃንስ፡ ኣንበጣን መዓር በረኻን ይምገብ ነበረ

ቀሊል ናብራ ምንባር፡ ነየናይ ሸቶይ ክስዕብ እዩ ዚሕግዘኒ፧