ክርስትያናዊ ህይወት
ኣይትጨነቑ
የሱስ ኣብቲ ኣብ ከረን ዝሃቦ ስብከት፦ “ብዛዕባ ህይወትኩም . . . ኣይትጨነቑ” ኢሉ ተዛረበ። (ማቴ 6:25) ኣብ ናይ ሰይጣን ዓለም ዚነብሩ ዘይፍጹማት ሰባት ሓድሓደ ግዜ ኺጭነቑ ንቡር እኳ እንተ ዀነ፡ የሱስ ሰዓብቱ ኻብ መጠን ንላዕሊ ኺጭነቑ ኸም ዘይብሎም እዩ ዚምህር ነይሩ። (መዝ 13:2) ስለምንታይ፧ ምኽንያቱ ብዛዕባ መዓልታዊ ዜድልየና ነገራት እውን ከይተረፈ ዘየድሊ ጭንቀት ምጭናቕ፡ ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ ክንደሊ ንእንገብሮ ጻዕሪ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ኺገብሮ ይኽእል እዩ። (ማቴ 6:33) እቲ የሱስ ቀጺሉ ዝበሎ ነገራት፡ ዘየድሊ ጭንቀት ከይንጭነቕ ኪሕግዘና እዩ።
-
ማቴ 6:26—ንኣዕዋፍ ብምምልካት እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (w16.07 9-10 ¶11-13)
-
ማቴ 6:27—ዘየድሊ ጭንቀት፡ ግዜን ጕልበትን ዜጥፍእ ስለምንታይ እዩ፧ (w05 1/11 22 ¶5)
-
ማቴ 6:28-30—ካብ ዕምባባታት መሮር እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧ (w16.07 10-11 ¶15-16)
-
ማቴ 6:31, 32—ክርስትያናት ካብ ኣህዛብ ዚፍለዩ በየናይ መገድታት እዮም፧ (w16.07 11 ¶17)
ብዛዕባ እንታይ እየ ኽጭነቕ ዘየድልየኒ፧