ሰባት ናብ ኣኼባ ይዕደሙ

ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ጥቅምቲ 2016

ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት

ምስ ሞትና እንታይ ከም እንኸውን ዚገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንምክፋልን መጽሔት ንቕሑ ንምብርካትን ዚሕግዝ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት። ነቲ ኣብነታት ተጠቒምካ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኣቀራርባ ኣዳሉ።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን”

ምሳሌ 3 የሆዋ ኣምላኽ ብእኡ ኽንእመን ከለና ኸም ዚባርኸና ተረጋግጸልና። ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ትእመን እንተ ዄንካ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ልብኹም . . . ኣየልግስ”

ምሳሌ ምዕራፍ 7 ብዛዕባ ሓደ ልቡ ኼታልሎ ዝፈቐደ መንእሰይ ትገልጽ። ካብ ጌጋኡ እንታይ መለበሚ ንረክብ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ጥበብ ካብ ወርቂ ትበልጽ

ምሳሌ 16 ጥበብ ካብ ወርቂ ኸም እትበልጽ ትገልጽ። ጥበብ ኣምላኽ ኣዝያ ጠቓሚት ዝዀነ ስለምንታይ እያ፧

ክርስትያናዊ ህይወት

ብኸመይ ጽቡቕ ሓሳብ ከም እትህብ

ጽቡቕ ሓሳብ ነታ ጉባኤን ነቲ ሓሳብ ዚህብን ይጠቕሞም እዩ። ጽቡቕ ሓሳብ ዚብሃል እንታይ እዩ፧

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

ምስ ካልኦት ሰባት ብሰላም ንበር

ኣብ መንጎ ህዝቢ የሆዋ ዘሎ ሰላም፡ ብሃንደበት ዝመጸ ኣይኰነን። ዘይምስምማዕ ኬጋጥም ከሎ ቃል ኣምላኽ ተጠቒምና ነቲ ሓያል ስምዒትና ኽንቈጻጸሮን ብሰላም ክንነብርን ንኽእል ኢና።

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ

“ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ”

ንቘልዑ ብግቡእ ንምስልጣን ተግሳጽ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ ምሳሌ 22 ንወለዲ ጽቡቕ ምኽሪ ሒዛትሎም ኣላ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ንካርድታት ኣድራሻ JW.ORG ብግቡእ ትጥቀመሉዶ ኣለኻ፧

ሰባት ናብ ቃል ኣምላኽን ናብ ወብ ሳይትናን ምእንቲ ኬቕልቡ ንካርድታት ኣድራሻ ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚታት ተጠቐመሉ።