ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ብኸመይ ጽቡቕ ሓሳብ ከም እትህብ

ብኸመይ ጽቡቕ ሓሳብ ከም እትህብ

ጽቡቕ ሓሳብ ንጉባኤ ይሃንጻ እዩ። (ሮሜ 14:19) እቶም ሓሳብ ዚህቡ እውን ይጠቀሙ እዮም። (ምሳ 15:23, 28) ስለዚ፡ ኣብ ሓደ ኣኼባ ብውሕዱ ሓንቲ ሓሳብ ንምሃብ ጻዕሪ ኽንገብር ኣሎና። ልክዕ እዩ፡ ኢድና ሓፍ ብዘበልና ቝጽሪ ኣጋጣሚ ይውሃበና እዩ ማለት ኣይኰነን። እምበኣር፡ ሓያሎ ሓሳባት ክንዳሎ ዝበለጸ እዩ።

ጽቡቕ ሓሳብ . . .

  • ቀሊልን ንጹርን ሓጺርን እዩ። መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ኣብ ውሽጢ 30 ኻልኢት ወይ ካብኡ ንታሕቲ ይውሃብ

  • ብናትካ ቓላት ይውሃብ

  • ነቲ ኣቐዲሙ እተዋህበ ሓሳብ ብዘየድሊ ኣይደግምን

መጀመርታ ሓሳብ ክትህብ ዕድል እንተ ተዋሂቡካ . . .

  • ነታ ሕቶ ቐሊልን ቀጥታውን መልሲ ሃብ

እታ ሕቶ እንተ ተመሊሳ፡ እዚ ዚስዕብ ክትገብር ትኽእል . . .

  • እቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት ምስቲ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዚተሓሓዝ ግለጽ

  • እቲ ጕዳይ ንህይወትና ብኸመይ ከም ዚትንክፎ ጥቐስ

  • ነቲ ትምህርቲ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ግለጽ

  • ቀንዲ ነጥቢ ዜጕልሕ ሓጺር ተመክሮ ኣዘንቱ