3-9 ጥቅምቲ
ምሳሌ 1-6
መዝሙር 37ን ጸሎትን
መእተዊ ሓሳባት (3 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን”፦ (10 ደቒቕ)
[መእተዊ ምሳሌ ዘርእስታ ቪድዮ ወልዕ።]
ምሳ 3:1-4—ብተኣማንነት ዚርአ ፍቕርን ተኣማንነትን ኣንጸባርቕ (w00 15/1 23-24)
ምሳ 3:5-8—ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ኽትእመን ጽዓር (w00 15/1 24)
ኵዕታ መንፈሳዊ ሃብቲ፦ (8 ደቒቕ)
ምሳ 1:7—ፍርሃት የሆዋ “መጀመርታ ፍልጠት” ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (w06 15/9 17 ¶1፣ it-2-E 180)
ምሳ 6:1-5—ጥበባዊ ብዘይኰነ ውዕል ንግድ እንተ ተፈንጢርና፡ እንታይ ጥበባዊ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና፧ (w00 15/9 25-26)
ናይዚ ሰሙን እዚ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ የሆዋ እንታይ ይምህረኒ፧
ኣብዚ ሰሙን እዚ ኻብ ዘንበብክዎ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽጥቀመሉ ዝኽእል እንታይ ነጥብታት ረኺበ፧
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ምሳ 6:20-35
ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ትጋህ
ናይዚ ወርሒ እዚ ኣቀራርባታት ተዳሎ፦ (15 ደቒቕ) ምይይጥ። ነተን ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ዜርእያ ቪድዮታት ወልዓየን፣ ደድሕሪ ሓንቲ ቪድዮ ነቲ ጕሉሕ ነጥብታት ተመያየጡሉ። ኣስፋሕቲ ኣብቲ ንሰባት ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናብ ዚግበር ኣኼባ ንምዕዳም ዚግበር ዓለምለኻዊ ዕዮ ኺሳተፉ ኣተባብዓዮም።
ክርስትያናዊ ህይወት
መዝሙር 16
ነታ ጉባኤ ዜድሊ፦ (8 ደቒቕ) ከም ኣማራጺ፡ ነቲ ኻብ መጽሓፍ ዓመት ዝረኸብኩምዎ ትምህርቲ ተመያየጡሉ። (yb16 25-27)
ነቶም ናብ ኣኼባታትና ዚመጹ ሰናይ ግበሩሎም (ምሳ 3:27)፦ (7 ደቒቕ) ምይይጥ። ነታ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር ዘርእስታ ቪድዮ ወልዓያ። (ቪድዮ ኣብ ትሕቲ ዚብል ክፋል፡ OUR MEETINGS AND MINISTRY ርአ።) ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሎ ፍቕራዊ ሃዋህው፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኵሉ ሳዕ ብኸመይ ከነደልድሎ ኸም እንኽእል ሕተቶም።
መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦ (30 ደቒቕ) lv ምዕ. 16 ሕ.ጽ. 15-22፡ ኣብ ገጽ 194 ዘላ ሳጹን
ክለሳን ጽማቝ ትሕዝቶ ዚቕጽል ሰሙንን (3 ደቒቕ)
መዝሙር 143ን ጸሎትን