“ብምሉእ ልብኻ ብየሆዋ ተኣመን”
የሆዋ ምሉእ ትውክልቲ ዚግብኦ ኣምላኽ እዩ። ትርጉም ስም የሆዋ፡ ንዅሉ እቲ ዘተስፈዎ ተስፋታት ኪፍጽሞ ኣብ ዘለዎ ኽእለት ከም እንተኣማመን ይገብረና። ጸሎት ብየሆዋ ኸም እንእመን ኪገብረና ዚኽእል ኣገዳሲ ኽፍሊ እዩ። ምሳሌ ምዕራፍ 3 የሆዋ ብእኡ ኽንእመን ከለና፡ ‘ንመገድታትና ብምቕናዕ’ ከም ዝባርኸና ተረጋግጸልና።
ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ጥበበኛ ዝዀነ ሰብ . . .
-
ኣቐዲሙ መምርሒ የሆዋ ኸይሓተተ ውሳነ ይገብር
-
ብኣተሓሳስባኡ ወይ ብኣተሓሳስባ ዓለም ይእመን
ብየሆዋ ዚእምን ሰብ . . .
-
ብመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ብምስትንታንን ብጸሎትን ኣቢሉ ምስኡ ጥብቂ ዕርክነት ይምስርት
-
ውሳነ ኺገብር ከሎ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምርማር መምርሒኡ ይደሊ
ቀዳማይ፦ ጥበባዊ ዀይኑ እተሰምዓኒ መገዲ እመርጽ |
ካልኣይ፦ የሆዋ ውሳነይ ኪባርኸለይ እሓትቶ እየ |
ቀዳማይ፦ ብጸሎትን ብብሕታዊ መጽናዕትን ኣቢለ መምርሒ የሆዋ አናዲ |
ካልኣይ፦ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ መገዲ እመርጽ |