“ንቘልዓ በታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣሰልጥኖ”
መጽሓፍ ምሳሌ ንወለዲ ዚኸውን ጽቡቕ ምኽሪ ዝሓዘት እያ። ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ተኽሊ ብውልዶኣ ኸላ እንተ ቐኒዓ ዕቤታ ዚጽሎ፡ ቈልዑ እውን እንተ ሰልጢኖም ምስ ዓበዩ ንየሆዋ ናይ ምግልጋል ዝንባለ ይህልዎም።
-
ንቘልዑ ብግቡእ ምስልጣን ብዙሕ ግዜን ጻዕሪ ይሓትት
-
ወለዲ ንደቆም ሰናይ ኣብነት ኪዀንዎም ኣለዎም፣ ብጥንቃቐ ኺምህርዎምን ኪምሕጸንዎምን ኬተባብዕዎምን ኪግስጽዎምን እውን ኣለዎም
-
ተግሳጽ ንኣእምሮን ንልብን ዜቃንዕ ብፍቕራዊ መገዲ ዚዋሃብ ስልጠና እዩ
-
ቈልዑ እተፈላለየ ተግሳጽ የድልዮም