ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን–ደብተር ኣኼባ ጥቅምቲ 2018
ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት
ደቂ ሰብ ስለምንታይ መከራ ኸም ዚወርዶምን ኣምላኽ እንታይ ከም ዚገብርን ዚገልጽ ንመርኣዪ ዚኸውን ተኸታታሊ ዝርርብ።
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
የሱስ ንኣባጊዑ ይሓልየለን
የሱስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንኣባጊዑ በብውልቂ ይፈልጠን እዩ፣ ማለት፡ እንታይ ከም ዜድልየንን እንታይ ድኽመት ከም ዘለወንን እንታይ ብርታዐ ኸም ዘለወንን ይፈልጥ እዩ።
ክርስትያናዊ ህይወት
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ይልለዩ—ጥቕሚ ርእስኻ ኣይትድለን ኣይትቈጣዕን
ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ፍቕሪ ምእንቲ ኸነንጸባርቕ፡ ንጥቕሚ ኻልኦት ከነቐድም፡ ካብ ቍጥዐ ድማ ክንርሕቕ ኣሎና።
ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ
“ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን”
ሰዓብቲ የሱስ በቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ዜንጸባርቕዎ ኣመለኻኽታን ተግባራትን ከይጽለዉ ትብዓት የድልዮም እዩ
ክርስትያናዊ ህይወት
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ይልለዩ—ነቲ ባህ ዜብል ሓድነት ሓልዎ
ንሕና እውን ሓድነት ምእንቲ ኺህልወና ኻልኦት ኣብ ዘለዎም ጽቡቕ ነገር ከነተኵርን ብናጻ ይቕረ ኽንብልን ኣሎና
ክርስትያናዊ ህይወት
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ይልለዩ—ብሓቂ ተሓጐስ
ኣብዛ ብሓሶትን ብዓመጻን ዝመልአት ዓለም እናነበርና እውን ከይተረፈ፡ ሓቂ ኽንምስክር ኣሎና።