ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዮሃንስ 9-10

የሱስ ንኣባጊዑ ይሓልየለን

የሱስ ንኣባጊዑ ይሓልየለን

10:1-5, 11, 14, 16

ኣብ መንጎ ጓሳን ኣባጊዕን ዘሎ ርክብ፡ ኣብ ፍልጠትን እምነትን እተመስረተ እዩ። የሱስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ንኣባጊዑ በብውልቂ ይፈልጠን እዩ፣ ማለት፡ እንታይ ከም ዜድልየንን እንታይ ድኽመት ከም ዘለወንን እንታይ ብርታዐ ኸም ዘለወንን ይፈልጥ እዩ። እተን ኣባጊዕ እውን ንጓሳአን ይፈልጣኦን ብመሪሕነቱ ይተኣማመናን እየን።

ኣብዚ ዚስዕብ መዳያት፡ የሱስ እቲ ሕያዋይ ጓሳ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

  • ንኣባጊዑ ኣብ ምእካብ

  • ንኣባጊዑ ኣብ ምምራሕ

  • ንኣባጊዑ ኣብ ምዕቋብ

  • ንኣባጊዑ ኣብ ምምጋብ