ክርስትያናዊ ህይወት
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ይልለዩ—ጥቕሚ ርእስኻ ኣይትድለን ኣይትቈጣዕን
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብፍቕሪ ኸም ዚልለዩ ምሂሩ እዩ። (ዮሃ 13:34, 35) ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ፍቕሪ ምእንቲ ኸነንጸባርቕ፡ ንጥቕሚ ኻልኦት ከነቐድም፡ ካብ ቍጥዐ ድማ ክንርሕቕ ኣሎና።—1ቈረ 13:5።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
-
ሓደ ሰብ ዚጐድእ ዘረባ ምስ ዚዛረበካ ወይ ዚጐድእ ነገር ምስ ዚገብረካ፡ ብዛዕባ ጠንቂ እቲ ጸገምን ብዛዕባ እቲ ስጕምትኻ ኼስዕቦ ዚኽእል ሳዕቤንን ኣስተንትን።—ምሳ 19:11
-
ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ጸኒሑ ዜጣዕሰና ነገር ክንዛረብ ወይ ክንገብር ከም እንኽእል ኣይትረስዕ
-
ንዜጋጥም ዘይምርድዳእ ብኡብኡ ፍትሓዮ
ነታ ‘ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃሉኹም’—ጥቕሚ ርእስኻ ኣይትድለን ኣይትቈጣዕን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ላሪ፡ ቶም ምስ ተዛረቦ ስምዒቱ ዘይተቘጻጸረ ብኸመይ እዩ፧
-
ቶም ህድእ ኢሉ ምስትንታኑ ኸይቍጣዕ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧
-
ቶም ስምዒቱ ብምቍጽጻሩ ተፈጢሩ ንዝነበረ ዅነታት ዘህድኦ ብኸመይ እዩ፧