ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ይልለዩ—ጥቕሚ ርእስኻ ኣይትድለን ኣይትቈጣዕን

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ይልለዩ—ጥቕሚ ርእስኻ ኣይትድለን ኣይትቈጣዕን

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብፍቕሪ ኸም ዚልለዩ ምሂሩ እዩ። (ዮሃ 13:34, 35) ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ፍቕሪ ምእንቲ ኸነንጸባርቕ፡ ንጥቕሚ ኻልኦት ከነቐድም፡ ካብ ቍጥዐ ድማ ክንርሕቕ ኣሎና።—1ቈረ 13:5

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ሓደ ሰብ ዚጐድእ ዘረባ ምስ ዚዛረበካ ወይ ዚጐድእ ነገር ምስ ዚገብረካ፡ ብዛዕባ ጠንቂ እቲ ጸገምን ብዛዕባ እቲ ስጕምትኻ ኼስዕቦ ዚኽእል ሳዕቤንን ኣስተንትን።—ምሳ 19:11

  • ኵላትና ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና፡ ሓድሓደ ግዜ፡ ጸኒሑ ዜጣዕሰና ነገር ክንዛረብ ወይ ክንገብር ከም እንኽእል ኣይትረስዕ

  • ንዜጋጥም ዘይምርድዳእ ብኡብኡ ፍትሓዮ

ነታ ‘ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃሉኹም’—ጥቕሚ ርእስኻ ኣይትድለን ኣይትቈጣዕን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ላሪ፡ ቶም ምስ ተዛረቦ ስምዒቱ ዘይተቘጻጸረ ብኸመይ እዩ፧

  • ቶም ህድእ ኢሉ ምስትንታኑ ኸይቍጣዕ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

  • ቶም ስምዒቱ ብምቍጽጻሩ ተፈጢሩ ንዝነበረ ዅነታት ዘህድኦ ብኸመይ እዩ፧

ዜቘጥዕ ኵነታት ኬጋጥም ከሎ ህድእ ምስ እንብል ነታ ጉባኤ ኽንጠቕማ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧