ክርስትያናዊ ህይወት
ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ይልለዩ—ነቲ ባህ ዜብል ሓድነት ሓልዎ
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ የሱስ ኣብታ ቕድሚ ሙማቱ ዝነበረት ምሸት፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ምሉእ ሓድነት ምእንቲ ኺህልዎም” ጸልዩ እዩ። (ዮሃ 17:23፡ እ.ጽ.) ንሕና እውን ሓድነት ምእንቲ ኺህልወና ፍቕሪ ኸነርኢ ኣሎና፣ ከመይሲ፡ ፍቕሪ “ኣይትቕየምን እያ።”—1ቈረ 13:5።
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
-
ካልኦት ኣብ ዘለዎም ጽቡቕ ነገር ብምትኳር ንየሆዋ ምሰሎ
-
ብናጻ ይቕረ በል
-
ነቲ ጕዳይ ምስ ፈታሕካዮ፡ መሊስካ ኣይተልዕሎ።—ምሳ 17:9
ነታ ‘ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃሉኹም’—ኣይትቀየም ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
-
ኣብቲ ቐዳማይ ክፋል እታ ቪድዮ፡ ሄለን ከም ‘እተቕየመት’ ዜርኢ እንታይ እዩ፧
-
ኣብቲ ኻልኣይ ክፋል እታ ቪድዮ፡ ሄለን ንኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ብምውጋድ ኣወንታዊ ኣረኣእያኣ ዘማዕበለት ብኸመይ እያ፧
-
ኣብ መወዳእታ፡ ሄለን ንሓድነት እታ ጉባኤ ኣበርክቶ ዝገበረት ብኸመይ እያ፧