ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ክርስትያናዊ ህይወት

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ይልለዩ—ብሓቂ ተሓጐስ

ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብፍቕሪ ይልለዩ—ብሓቂ ተሓጐስ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንየሱስ ብምምሳል ብዛዕባ ዕላማ ኣምላኽ እቲ ሓቂ ኽንምስክር ኣሎና። (ዮሃ 18:37) ብዘይካዚ፡ ኣብዛ ብሓሶትን ብዓመጻን ዝመልአት ዓለም እናነበርና እውን ከይተረፈ፡ ብሓቂ ኽንሕጐስን ሓቂ ኽንዛረብን ሓቂ ዘበለ ኽንሓስብን ኣሎና።—1ቈረ 13:6፣ ፊል 4:8

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ሕሜት ከይትሰምዕን ከይትነዝሕን ቈራጽነት ግበር።—1ተሰ 4:11

  • ካልኦት ብዜጋጥሞም ሕማቕ ነገር ኣይትተሓጐስ

  • ብኣወንታውን ብዜተባብዕን ነገራት ባህ ይበልካ

ነታ ‘ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃሉኹም’—ብዓመጻ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ ተሓጐስ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ደቢ “ብዓመጻ” እተሓጐሰት ብኸመይ እያ፧

  • ኣሊስ ነቲ ምስ ደቢ ዝገበረቶ ዝርርብ ናብ ኣወንታዊ ኸም ዜምርሕ ዝገበረት ብኸመይ እያ፧

  • ክንዛረበሉ እንኽእል ገለ ጽቡቕ ነገራት እንታይ እዩ፧

ብዓመጻ ዘይኰነስ፡ ብሓቂ ተሓጐስ