ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 35-36

ንዕዮ የሆዋ ተዓጠቕ

ንዕዮ የሆዋ ተዓጠቕ

35:25, 26, 30-35፣ 36:1, 2

መንፈስ የሆዋ ንበሳልኤልን ንኦሆልያብን ነቲ ማሕደር ዚኸውን ዝርዝር ውጥን ኪስዕቡ ሓጊዝዎም እዩ። (ኣብ ገበር ዘላ ስእሊ ርአ።) እቲ ሓያል መንፈስ የሆዋ ሎሚ እውን ንኣገልገልቱ ይሕግዞም እዩ። ንሕናኸ ኻብኡ ብኸመይ ክንጥቀም ንኽእል፧

  • መንፈስ ቅዱስ ነቲ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ እንጥቀመሉ ዝዀነ ይኹን ክእለት ኬማዕብለልና ብምጽላይ

  • ካብቲ ብድራኸ መንፈስ እተጻሕፈ ቓል ኣምላኽ ብትግሃት ብምምጋብ

  • ንእተዋህበና ዝዀነ ይኹን ዕዮ ዚከኣልና ዘበለ ብምግባር

የሆዋ ነየናይ ዕዮታት እዩ ኼዕጥቐካ ዚኽእል፧