ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 37-38

መሰውኢታት ማሕደርን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበሮ ግደን

መሰውኢታት ማሕደርን ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዝነበሮ ግደን

37:25, 29፣ 38:1

መሰውኢታት ማሕደር፡ ብመምርሒ የሆዋ እዩ ተሰሪሑ፣ ፍሉይ ኣገዳስነት ድማ ነበሮ።

  • ልክዕ ከምቲ ብውሕሉል መገዲ እተዋሃሃደ ዕጣን፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ዜቕርብዎ ቕቡል ጸሎት እውን ንየሆዋ ባህ ይብሎ እዩ

  • የሆዋ ነቲ ኣብ መሰውኢ ዚሓርር መስዋእቲ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ተቐቢልዎ እዩ። ኣብ ቅድሚ መቕደስ ምዃኑ ድማ፡ ብኣምላኽ ተቐባልነት ምእንቲ ኽንረክብ ኣብ መስዋእታዊ በጃ የሱስ እምነት ከም ዜድልየና የዘኻኽረና።—ዮሃ 3:16-18፣ እብ 10:5-10

ንጸሎትና ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከም ዕጣን ከነዳልዎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧—መዝ 141:2