ክርስትያናዊ ህይወት
መንግስቲ ኣምላኽ ንምእዋጅ ኣብ ሕዳር ዚግበር ፍሉይ ወፈራ
የሱስ “ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ” ኣዊጁ እዩ። (ሉቃ 4:43) ብዘይካዚ፡ ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ኪጽልዩ ምሂርዎም እዩ። (ማቴ 6:9, 10) ኣብ ወርሒ ሕዳር፡ ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ክንእውጅ ፍሉይ ጻዕሪ ኽንገብር ኢና። (ማቴ 24:14) ኣብዚ ወፈራ እዚ፡ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽትሳተፍ መደባትካ ኣተዓራሪ። ኵሎም እቶም ኣብዛ ወርሒ ሓገዝቲ ፈለምቲ ዚዀኑ ን30 ወይ ን50 ሰዓት ኬገልግሉ ኺመርጹ ይኽእሉ እዮም።
ብእተኻእለ መጠን ኣብ ክልኻ ንዚርከቡ ዅሎም ሰባት ብዛዕባ መንግስቲ ኣምልኻ እትገልጽ ጥቕሲ ኣንብበሎም። ጥቕሲ ኽትመርጽ ኸለኻ ድማ፡ ሃይማኖታዊ ድሕረ ባይታ ሰማዕትኻ ኣብ ግምት ኣእቱ። ኣብ ናይ ፈለማ ምብጻሕ ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ፡ ሓንቲ ቕዳሕ ሕታም ህዝቢ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ቍ. 2 2020 ሃቦ። ተገዳስነት ንዘርኣየ ሰብ ብእተኻእለ መጠን ቀልጢፍካ ተኸታተሎ፣ ካብ ናውቲ ትምህርቲ ሓንቲ ሕታም ጌርካ ድማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ጽዓር። ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን እተን ዚቃወማኣ መንግስትታት ክትሕምሽሸን እያ። (ዳን 2:44፣ 1ቈረ 15:24, 25) እምበኣር፡ ነዚ ፍሉይ ኣጋጣሚ ተጠቒምና ንየሆዋን ንመንግስቱን ዘሎና ተኣማንነት ነርኢ።