ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋ እንታይ ይብል፧

መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ባህርያዊ ሓደጋ እንታይ ይብል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 ኣምላኽ ምንጪ እቲ ኣብዚ ግዜ እዚ ዚርአ ዘሎ ባህርያዊ ሓደጋ ኣይኰነን፣ ነቶም በዚ ሓደጋ እዚ ዚጽለዉ ሰባት ግና ይሓልየሎም እዩ። መንግስቲ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ መከራ ዜስዕብ ነገራት፡ እንተላይ ንባህርያዊ ሓደጋ ኽትኣልዮ እያ። ክሳዕ ሽዑ ግና፡ ኣምላኽ ነቶም ብባህርያዊ ሓደጋ ዚጽለዉ ሰባት የጸናንዖም እዩ።—2 ቈረንቶስ 1:3

 ባህርያዊ ሓደጋ ኻብ ኣምላኽ ዚወርድ መቕጻዕቲ ኸም ዘይኰነ ርግጸኛታት እንኸውን ስለምንታይ ኢና፧

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣምላኽ ብባህርያዊ ሓይልታት ከም እተጠቕመ ተመዝጊቡ ኣሎ። ባህርያዊ ሓደጋ ኻብኡ እተፈልየ እዩ።

  •   ባህርያዊ ሓደጋ ብዘይ ኣፈላላይ ይቐትልን የልምስን። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቡ ኸም እንረኽቦ ግና፡ ኣምላኽ ፍርዱ ኺፍጽም ከሎ ንእኩያት ሰባት ፈልዩ እዩ ዜጥፍእ። ንኣብነት፡ ኣምላኽ ነተን ጥንቲ ዝነበራ ኸተማታት ሶዶምን ጎሞራን ኬጥፍአን ከሎ፡ ነቲ ቕኑዕ ሰብኣይ ዝነበረ ሎጥን ንኽልተ ደቁን ኣድሒንዎም እዩ። (ዘፍጥረት 19:29, 30) ኣምላኽ ንልቢ እቶም ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ድሕሪ ምንባብ፡ ነቶም እኩያት ኰይኖም ዝረኸቦም ሰባት ጥራይ እዩ ኣጥፊእዎም።—ዘፍጥረት 18:23-32፣ 1 ሳሙኤል 16:7

  •   ባህርያዊ ሓደጋ መብዛሕትኡ ግዜ ብእተወሰነ ወይ ብዘይ ዝዀነ መጠንቀቕታ የጋጥም። ብኻልእ ሸነኽ ግና ኣምላኽ ባህርያዊ ሓይልታት ተጠቒሙ ንእኩያት ኣብ ዘጥፍኣሉ እዋን መጠንቀቕታታት ሂቡ ነይሩ እዩ። እቶም ነቲ መጠንቀቕታታት ዘቕለቡሉ ሰባት ካብቲ ሓደጋ ኼምልጡ ኣጋጣሚ ረኺቦም እዮም።—ዘፍጥረት 7:1-5፣ ማቴዎስ 24:38, 39

  •   ደቂ ሰብ ብእተወሰነ መዳይ ንባህርያዊ ሓደጋ ኣበርክቶ ገይሮም እዮም። ብኸመይ፧ ንተፈጥሮኣዊ ኣከባቢ ብምዕናው፡ ከምኡ ድማ ኣብቲ ንምንቅጥቃጥ ምድርን ንምዕልቕላቕን ንጽንኩር ኵነታት ኣየርን እተቓልዐ ቦታታት ህንጻታት ብምህናጽ እዮም ከምኡ ዚገብሩ። (ራእይ 11:18) ኣምላኽ በዚ ሰባት ዚገብርዎ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምርጫታት ተሓታቲ ኣይኰነን።—ምሳሌ 19:3

 ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ መወዳእታ ግዜ ንነብር ከም ዘለና ዜርኢ ድዩ፧

 እወ፣ ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ “መደምደምታ እቲ ስርዓት፡” ወይ “ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት” ሓደጋታት ከም ዚህሉ ይገልጽ እዩ። (ማቴዎስ 24:3፣ 2 ጢሞቴዎስ 3:1) ንኣብነት፡ የሱስ ብዛዕባ እዚ ግዜና፡ “ኣብ በቦታኡ ኸኣ ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ” ኢሉ እዩ። (ማቴዎስ 24:7) ኣብ ቀረባ እዋን፡ ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ኣብዛ ምድሪ ስቓይን መከራን ዜስዕብ ዘሎ ነገራት፡ እንተላይ ንባህርያዊ ሓደጋ ኺኣልዮ እዩ።—ራእይ 21:3, 4

 ኣምላኽ ንግዳያት ባህርያዊ ሓደጋ ብኸመይ ይሕግዞም፧

  •   ኣምላኽ ንግዳያት በቲ ቓሉ ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ገይሩ የጸናንዖም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ መከራ ኺወርደና ኸሎ ኣምላኽ ከም ዚሓልየልናን ስቓይና ኸም ዚስምዖን የረጋግጸልና እዩ። (ኢሳይያስ 63:9፣ 1 ጴጥሮስ 5:6, 7) ኣብ ርእሲ እዚ፡ ብዛዕባ እቲ ደጊም ባህርያዊ ሓደጋ ዘይህልወሉ እዋን የተስፉ እዩ።—“ ንግዳያት ባህርያዊ ሓደጋ ዜጸናንዕ ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ርአ።

  •   ኣምላኽ ንግዳያት በቶም ኣምለኽቱ ገይሩ ይሕግዞም። ኣምላኽ ነቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኣምለኽቱ፡ ነቲ የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት ከም ዚስዕቡ ይገብር እዩ። የሱስ፡ “ስቡር ንዝልቦም”ን “ንዅሎም ሕዙናት”ን ከም ዜጸናንዕ ብትንቢት ተሓቢሩ ነይሩ እዩ። (ኢሳይያስ 61:1, 2) እቶም ንኣምላኽ ዜምልኹ፡ ከምኡ ኺገብሩ እዮም ዚጽዕሩ።—ዮሃንስ 13:15

     ብዘይካዚ፡ ኣምላኽ ብኣምለኽቱ ገይሩ፡ ነቶም ግዳያት ባህርያዊ ሓደጋ ግብራዊ ረድኤት ይህቦም እዩ።—ግብሪ ሃዋርያት 11:28-30፣ ገላትያ 6:10

ኣብ ፖርቶ ሪኮ፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንግዳያት ህቦብላ ግብራዊ ሓገዝ ይህቡ

 መጽሓፍ ቅዱስ ንባህርያዊ ሓደጋ ንምድላው ኪሕግዘና ይኽእል ድዩ፧

 እወ። መጽሓፍ ቅዱስ ንባህርያዊ ሓደጋ ኼዳልወና ተባሂሉ እተጻሕፈ መጽሓፍ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኪሕግዘና ዚኽእል መሰረታዊ ስርዓታት ግና ኣለዎ። ንኣብነት፦

  •   ኣብ መጻኢ ኼጋጥም ንዝኽእል ሓደጋ ኣቐዲምካ ተዳሎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጐራሕሲ ሓደጋ ይርኢ እሞ ይሕባእ” ይብል። (ምሳሌ 22:3) ኣብ እዋን ሓደጋ እንታይ ከም እንገብር ኣቐዲምና ኽንዳሎ ጥበባዊ እዩ። እዚ ምድላው እዚ፡ ኣብ ህጹጽ እዋን ዜድሊ ነገራት ዝሓዘ ሳንጣ ምድላውን ኣብ እዋን ሓደጋ ኣበይ ከም እትራኸብ ምስ ኣባላት ስድራ ቤትካ ልምምድ ምግባርን ኬጠቓልል ይኽእል እዩ።

  •   ንጥሪትካ ዘይኰነስ፡ ንህይወትካ ኣቐድም። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን፡ ሓንቲ እውን ክንወስድ ኣይንኽእልን ኢና” ይብል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:7, 8) ካብ ሓደጋ ንምምላጥ፡ ቤትናን ጥሪትናን ክንሓድግ ፍቓደኛታት ክንከውን ኣሎና። ህይወት ካብ ዝዀነ ይኹን ስጋዊ ነገራት ከም እትበልጽ ክንዝክር ይግብኣና።—ማቴዎስ 6:25