ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ተስፋ ኻበይ ክረክብ እኽእል፧

ተስፋ ኻበይ ክረክብ እኽእል፧

መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ

 መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዚገልጾ፡ ኣምላኽ፡ “ብሩህ መጻእን ተስፋን” a ኪህበና ይደሊ እዩ። (ኤርምያስ 29:11) ሓደ ኻብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዓና ዝሃበሉ ምኽንያት እኳ፡ ‘ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዚርከብ መጸናንዒ ተስፋ ምእንቲ ኺህልወና’ እዩ። (ሮሜ 15:4) ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ኸም እንርእዮ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ጥበባዊ መምርሒ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዜጋጥመና ጸገማት ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወና ኺገብር ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መጻኢ ርግጽ ተስፋ ይህበና እዩ።

ኣብዛ ገጽ እዚኣ፦

 መጽሓፍ ቅዱስ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወና ዚገብር ብኸመይ እዩ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወትና ኸነመሓይሸሉ እንኽእል ግብራዊ ስጕምትታት እንታይ ምዃኑ ስለ ዚሕብረና፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወና ኺገብር ይኽእል እዩ። ገለ ኣብነታት እስከ ንርአ።

  •   ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ግብራዊ ምኽሪ ኣናዲ። መዝሙር 119:105፡ “ቃልካ ንእግረይ መብራህቲ፡ ንመገደይ ከኣ ብርሃን እዩ” ትብል። ብርቱዕ ብርሃን ክልተ ነገር ኪገብር ይኽእል። ሓደ፡ ኣብ ቅድሜና እንታይ ከም ዘሎ ኽንርኢ ይሕግዘና። ክልተ፡ ንመገድና የብርሃልና። ብተመሳሳሊ፡ ግብራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሕጂ ንዜጋጥመና ጸገማት ብግቡእ ክንዋጽኣሉ ስለ ዚሕግዘና፡ መዓልቲ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸም ዚህልወና ኺገብር ይኽእል እዩ። ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ንሓይልና የሐድሶ፡ ‘ንልብና ድማ የሐጕሶ’ እዩ። (መዝሙር 19:7, 8) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንምድርን ንደቂ ሰብን ዘለዎ ባህ ዜብል ዕላማ እውን ይገልጽ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ፡ ነባሪ ሓጐስን ዕግበትን ይህበና እዩ።

  •   ካብ ካልኦት ሓገዝ ተቐበል። ኵነታትና ተስፋ ዘይብሉ ኺመስል ከሎ፡ ንርእስና ኻብ ስድራ ቤትናን ፈተውትናን ክንፈሊ ንደሊ ንኸውን። መጽሓፍ ቅዱስ፡ እዚ ዘይጥበባዊ ምዃኑ ይገልጽ እዩ። ስለምንታይሲ፡ ርእስኻ ምፍላይ ናይ ዕሽነት ስጕምትታት ከም እትወስድ ኪገብር ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 18:1) ፈተውትና ሚዛንና ኽንሕሉ ኺሕግዙና ይኽእሉ እዮም። ንኣጸጋሚ ዅነታት ክንዋጽኣሉ ዚሕግዝ ጥበባዊ ምኽሪ እውን ኪህቡና ይኽእሉ እዮም። (ምሳሌ 11:14) እንተ ወሓደ፡ እቲ ዅነታት ክሳዕ ዚመሓየሽ ምእንቲ ኽንጻወር፡ የጸናንዑናን ዜሐጕሰና ነገር ይገብሩን እዮም።—ምሳሌ 12:25

  •   ናብ ኣምላኽ ጸሊ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ጾርካ ናብ የሆዋ ደርቢ፣ ንሱ ድማ ኪድግፈካ እዩ። ንጻድቕ ኪወድቕ ከቶ ኣይሓድጎን እዩ” ይብል። b (መዝሙር 55:22) የሆዋ፡ “ተስፋ ዚህብ ኣምላኽ” ኪብሃል እምበኣር ግቡእ እዩ። (ሮሜ 15:13) ስለዚ፡ ኣምላኽ ከም ዚሓልየልና ርግጸኛታት ብምዃን ብዛዕባ ‘ዅሉ ጭንቀትና’ ብጸሎት ክንነግሮ ንኽእል ኢና። (1 ጴጥሮስ 5:7) እወ፡ መጽሓፍ ቅዱስ፡ “[ኣምላኽ] ኬጽንዓኩምን ኬበርትዓኩምን ኪስርተኩምን እዩ” ብምባል የረጋግጸልና እዩ።—1 ጴጥሮስ 5:10

  •   ፈተናታት ንተስፋኻ ኼደልድሎ ፍቐድ። ኣምላኽ ኣብ ቃሉ፡ “ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ መዓት ከይፈርሀ ኸኣ ኪሃድእ እዩ” ብምባል ኣተስፍዩና ኣሎ። (ምሳሌ 1:33) ኣብ ኣውስትራልያ እትነብር ማርግሬት ዝስማ ሰበይቲ፡ ህቦብላ ንቤታ ኣዕንዩ ንዅሉ ንብረታ ምስ ኣጥፍኣላ ተስፋ ኣይቈረጸትን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ንብረት ብቐሊሉ ኸም ዚጠፍእ ኣገዳሲ ትምህርቲ እያ ተማሂራ። ድሕሪኡ፡ ኣብቲ ቐንዲ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት፡ ማለት ኣብ ስድራ ቤታን ፈተውታን ምስ የሆዋ ዘለዋ ርክብን፡ ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ሰፊሩ ዘሎ ተስፋን ከተተኵር ቈራጽነት ገይራ።—መዝሙር 37:34፣ ያእቆብ 4:8

 መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ደቂ ሰብ እንታይ ዓይነት ተስፋ ይህብ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብዛዕባ ደቂ ሰብን ምድርን ብሩህ ተስፋ ይህብ እዩ። እዚ ተስፋ እዚ ዚፍጸመሉ ግዜ ድማ ርሑቕ ኣይኰነን። ከም ሓቂ፡ እዚ ሎሚ ንደቂ ሰብ ዜጋጥሞም ዘሎ ጸገማት ኣብ ዳሕሮት መዓልትታት እዚ ስርዓት እዚ ንነብር ከም ዘለና ዜርኢ እዩ። (2 ጢሞቴዎስ 3:1-5) ኣብ ቀረባ ግዜ፡ ኣምላኽ ኣብ ምድሪ ንዘሎ ነገራት ምሉእ ብምሉእ ተቘጻጺሩ፡ ግፍዕን መከራን ኬወግድ እዩ። ነዚ ኸኣ ብመንግስቲ ኣምላኽ ኣቢሉ እዩ ዚገብሮ። (ዳንኤል 2:44፣ ራእይ 11:15) የሱስ፡ ኣብታ ዝመሃራ ኣብነት እትኸውን ጸሎት፡ “መንግስትኻ ትምጻእ። . . . ፍቓድካ ኣብ ምድሪ ይኹን” ኪብል ከሎ፡ ነዛ ሰማያዊት መንግስቲ እዩ ዜመልክት ነይሩ።—ማቴዎስ 6:9, 10

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንደቂ ሰብ ብዚምልከት ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ። ገለ ኻብቲ መንግስቲ ኣምላኽ እተወግዶ ጸገማት እስከ ንርአ።

  •   ጥሜት ኣይኪህሉን እዩ። “ምድሪ ፍሪኣ ኽትህብ እያ።”—መዝሙር 67:6

  •   ሕማም ኣይኪህሉን እዩ። “ካብቶም ነበርቲ ሓደ እኳ፡ ‘ሓሚመ’ ኣይኪብልን እዩ።”—ኢሳይያስ 33:24

  •   ሞት ኣይኪህሉን እዩ። ኣምላኽ፡ “ንብዘሎ ንብዓት [ደቂ ሰብ] ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ፣ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ደጊም እውን ሓዘን ወይ ኣውያት ወይ ስቓይ ኣይኪኸውንን እዩ። እቲ ቐዳማይ ሓሊፉ እዩ።”—ራእይ 21:3, 4

a ተስፋ፡ ንሓደ እንምነዮ ነገር፡ ከም እንረክብ ምእማን ማለት እዩ። ነቲ ኣብ መጻኢ ኽንረኽቦ እንጽበዮ ነገራት እውን የመልክት እዩ።

b የሆዋ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስም ኣምላኽ እዩ።—መዝሙር 83:18