ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንፈሳውነት

ብመለክዒታት መጽሓፍ ቅዱስ ምምልላስ ቀሊል ከይከውን ይኽእል እዩ፣ ኣብ መወዳእታኡ ግና ናብ ብሉጽ ህይወት እዩ ዚመርሕ። ብኸመይ ከምኡ ኸም ዝዀነ ርአ።

እምነት ኣብ ኣምላኽ

መንእሰያት ብኣምላኽ ብዛዕባ ምእማን ይገልጹ

ኣብዛ ናይ ሰለስተ ደቒቕ ቪድዮ፡ መንእሰያት፡ ፈጣሪ ኸም ዘሎ እንታይ ከም ዘእመኖም ገሊጾም ኣለዉ።

ፍጥረትዶ ወይስ ፍልቀት፧—1ይ ክፋል፦ ስለምንታይ እየ ብኣምላኽ ዝኣምን፧

ብኣምላኽ ስለምንታይ ከም እትኣምን ርግጸኛ ዄንካ ንሰባት ክትገልጸሎምዶ ምደለኻ፧ ሓደ ሰብ ብዛዕባ እምነትካ ሕቶታት እንተ ኣቕሪቡልካ፡ እንታይ ኢልካ ኸም እትምልስ ርአ።

ንኣምላኽ ብኸመይ ከም እትቐርቦ

ስለምንታይ እየ ኽጽሊ ዘሎኒ፧

ጸሎት ስነ ኣእምሮኣዊ ጥቕሚ ዘለዎ ጥራይ ድዩ ወይስ ካብኡ ንላዕሊ ኣገዳስነት ኣለዎ፧

ጸሎትካ ብኸመይ ከም እተመሓይሽ

እዚ ወረቐት ዕዮ እዚ ንትሕዝቶን ንዓይነትን እቲ ምስ ኣምላኽ እትገብሮ ርክብ ክትምርምሮ ኺሕግዘካ እዩ።

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ክትእከብ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ሰሙን ክልተ ሳዕ፡ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ተባሂሉ ኣብ ዚጽዋዕ ቦታታት ኣምልኾኦም ይእከቡ እዮም። ኣብኡ እንታይ እዩ ዚግበር፧ ኣብኡ ብምእካብከ ብኸመይ ክትጥቀም ትኽእል፧

ንኽልተ ዓይነት ህይወት ብኸመይ ደው አብሎ፧

ነቲ መታለሊ መገዲ ደው ከተብሎ ዚሕግዘካ ዓርባዕተ ስጕምትታት።

ንባብን መጽናዕትን መጽሓፍ ቅዱስ

መንእሰያት ብዛዕባ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጹ

ንባብ ኵሉ ሳዕ ቀሊል ኣይኰነን፣ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ግና ጻማ ዘለዎ እዩ። ኣርባዕተ መንእሰያት ብኸመይ ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እተጠቕሙ ይገልጹ።

መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ኪሕግዘኒ ይኽእል፧—1ይ ክፋል፦ ንመጽሓፍ ቅዱስካ ፍለጦ

ክቡር መዝገብ ዝሓዘ ዓብይን ጥንታውን ሳንዱቕ እንተ ትረክብ፡ ኣብ ውሽጡ እንታይ ከም ዝሓዘ ኽትፈልጥ ኣይምተሃንጠኻንዶ፧ መጽሓፍ ቅዱስ ልክዕ ከምዚ ኽቡር መዝገብ ዝሓዘ ሳንዱቕ እዩ።

መንፈሳዊ ዕቤት

ንሕልናይ ብኸመይ ከሰልጥኖ እኽእል፧

ሕልናኻ እንታይ ዓይነት ሰብ ምዃንካን እንታይ ከም ዜገድሰካን የርእየካ። እሞ ደኣ ሕልናኻ ብዛዕባኻ እንታይ ይገልጽ፧

ጌጋታተይ ብኸመይ ክእርሞ እኽእል፧

እቲ ፍታሕ ከምቲ ንስኻ እትሓስቦ ኸቢድ ኣይኰነን።

ክጥመቕዶ፧—ትርጉም ጥምቀት

ክትጥመቕ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ፡ ፈለማ ትርጉሙ ኽትርዳእ ኣሎካ።

ክጥመቕዶ፧—ንጥምቀት ምድላው

ንጥምቀት ድሉው እንተ ዄንካ ንምፍላጥ፡ በዚ ሕቶታት እዚ ተጠቐም።

ክጥመቕዶ፧—እንታይ እዩ ዓጊቱኒ ዘሎ፧

ርእስኻ ምውፋይን ምጥማቕን ዚብል ሓሳብ ዜፍርሃካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ንፍርህኻ ኸተሰንፍ ክትሕግዘካ እያ።

ድሕሪ ጥምቀት እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧—1ይ ክፋል፦ ንጥፈታትካ ኣይተቋርጽ

ድሕሪ ጥምቀት፡ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት ዓቅብ። ኣዘውቲርካ መጽሓፍ ቅዱስ ኣጽንዕ፡ ጸሊ፡ ብዛዕባ እምነትካ ንገር፡ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እውን ተኣከብ።

ድሕሪ ጥምቀት እንታይ እየ ኽገብር ዘሎኒ፧—2ይ ክፋል፦ ንጽህናኻ ሓሉ

ነቲ ንየሆዋ ዝኣቶኻዮ መብጽዓ ወፈያ ብኸመይ ሓሊኻ ኸም እትመላለስ ርአ።።

ካብ ኵሉ ዝበለጸ ህይወት

ዜዕግብ ህይወት ኪህልወካ ትደሊዶ፧ ካመሮን ኣብ ዘይተጸበየቶ ቦታ ዜሐጕስ ህይወት ብኸመይ ከም ዝረኸበት ከተዘንቱ ኸላ ስማዕ።