ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ሽጋራን ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራን ብዛዕባ ምትካኽ ክፈልጦ ዘሎኒ እንታይ እዩ፧

ሽጋራን ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራን ብዛዕባ ምትካኽ ክፈልጦ ዘሎኒ እንታይ እዩ፧

 “ኣብቲ ኣነ ዝነብረሉ፡ ዳርጋ ዅሉ ትሕቲ 25 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ ሽጋራ ወይ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ኣትኪኹ ይፈልጥ እዩ።”—ጁልያ።

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ክትፈልጦ ዘሎካ

  •   ሽጋራ ቐታሊ እዩ። ኣብ ትምባኾ ዚርከብ ኒኮቲን፡ ወልፊ ዜትሕዝ መርዛም ንጥረ ነገር እዩ። ኣብ ሕ.መ.ኣ ዚርከብ ማእከል ቍጽጽርን ምክልኻልን ሕማምን ከም ዝገለጾ፡ “ትምባኾ ኽትከላኸሎ እናተኻእለ ኣብ መላእ ዓለም፡ ጠንቂ ሞትን ሕማምን መንእሰያት ኰይኑ ኣሎ።”

     “ስራሐይ ናይ ኣልትራሳውንድ ምርመራ ምግባር እዩ፣ ሽጋራ ኣብቶም ዜትክኹ ሕሙማት ዜስዓቦ ጕድኣት ዚገልጽ ስእልታት እርኢ እየ። እቶም ቀደም ዜትክኹ ዝነበሩ ሰባት ሰራውር ደሞም ክሳዕ ክንደይ ከም እተጐድአ ምርኣይ ኣዝዩ ዜሰንብድ እዩ። ንኣካላተይ ኣኽቢረ ስለ ዝርእዮ፡ ኬትክኽ ኢለ ኣይሓስቦን እየ።”—ተሬሳ።

     ትፈልጥዶ፧ ሽጋራ መብዛሕትኡ መርዛም ዝዀነ 7000 ከሚካላት ሒዙ ኣሎ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ምስ ትምባኾ ብዚተሓሓዝ ሕማማት ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት እዮም ዚሞቱ።

  •   ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ዜትክኹ፡ መርዛም ከሚካላት ናይ ሰብነቶም የእትዉ። ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ዜትክኹ ሰባት፡ ሳናቡኦም ከም ዚጕዳእን ከም ዚሞቱን ክኢላታት ይገልጹ እዮም። ብዘይካዚ ልክዕ ከም ሽጋራ፡ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ እውን ኒኮቲን ኣለዎ። ኒኮቲን ወልፊ ዜትሕዝ ንጥረ ነገር ስለ ዝዀነ፡ “መንእሰያት ውሉፋት ሓሽሽ ኪዀኑ መገዲ” ኸም ዚኸፍት ብዛዕባ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር።

     “ከም ኮተን ካንዲን ቼሪ ቦምብን ዝኣመሰለ ስማት ዘለዎም ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራታት ንቘልዑን ንመንእሰያትን ዚስሕብ ምቍር ጣዕሚ ኣለዎም። እቲ መቐረቱ ነቲ ሓደጋ ዕሽሽ ከም ዚብልዎ ይገብሮም።”—ሚራንዳ።

     ትፈልጥዶ፧ ካብ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ዚወጽእ ሃፋ፡ ማይ ጥራይ ኣይኰነን። ኣብ ክንዳኡስ፡ ናብ ሳናቡእ ዚኣቱ መርዛም ከሚካላት ዘለዎ ሓደገኛ ንጥረ ነገራት ዝሓዘ እዩ።

 ሽጋራን ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራን ምስ ምትካኽ ዚተሓሓዝ ሓደጋታት

  1.  (1) ብፍላይ ኣብ ምምዕባል ንዘሎ ሓንጐል ናይ ምግንዛብን ምትኳርን ከምኡ እውን ናይ ስምዒት ጸገም ይፈጥር

  2.  (2) ግርጻን የነድርን ኣስናን የበዅቡኽን

  3.  (3) ነድሪ ሳንቡእን ሕማም ልብን የምጽእ

     ንኣዝማ የጋድዶ

     ከስዐ የቘጥዕን ዕግርግር የብልን

 ክትገብሮ እትኽእል

  •   ነቲ ሓቅታት ፍለጦ። እትሰምዖ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመን። ንኣብነት፡ ‘ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ጕድኣት የብሉን’ ወይ ‘ንጭንቀትካ የፍኵሰልካ እዩ’ ንዚብል ኣዛራርባ ኣይትእመኖ። ናይ ገዛእ ርእስኻ ምርምር ብምግባር ጥበባዊ ውሳነ ግበር።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ገርሂ፡ ኵሉ ቓል ይኣምን፣ ጐራሕ ግና ንስጕምትታቱ ተጠንቂቑ ይሓስበለን።”—ምሳሌ 14:15

     “ሽጋራን ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራን ምትካኽ ዘለዎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ምስ ፈለጥካ፡ ህቡባት ሰባት ወይ መዛኑኻ ኸም ዚብልዎ ጕድኣት ዘይብሉ መዘናግዒ ኸም ዘይኰነ ትግንዘብ ኢኻ።”—ኢቫን።

     ክትፈልጦ ዘሎካ፦ ሽጋራ ወይ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ዜትክኹ መንእሰያት ዝያዳ ሕጉሳት ድዮም፧ ሕጅን ኣብ መጻእን ንዜጋጥሞም ወጥሪ ኺዋጽኡሉ ብዝሓሸ ተዳልዮም ድዮም፧ ወይስ ኣብ መጻኢ ዚዓጽድዎ ጸገማት እዮም ሕጂ ዚዘርኡ ዘለዉ፧

  •    ጭንቀትካ ንኽትዋጽኣሉ ዚሕግዘካ ጠቓሚ መገድታት ኣናዲ። ንጭንቀትካ ኼፍኵሰልካ ኣብ ዚኽእል ንጥፈታት ተሳተፍ፡ ንኣብነት ምውስዋስ ኣካላት ግበር፡ ኣንብብ፡ ከምኡ እውን ኬተባብዑኻ ምስ ዚኽእሉ ኣዕሩኽ ግዜ ኣሕልፍ። ከምኡ ምስ እትገብር፡ ኣብ ካልእ ጽቡቕ ነገራት ስለ እተተኵር ሽጋራ ኸተትክኽ ኣይክትደፋፋእን ኢኻ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ኣብ ልቢ ሰብ ዝሓደረ ጭንቀት ንዕኡ ይኸብዶ፣ ጽቡቕ ቃል ግና የሐጕሶ።”—ምሳሌ 12:25

     “ሰባት፡ ሽጋራን ኤሌክትሮኒካዊ ሽጋራን ምትካኽ ንጭንቀቶም ዜፍኵሰሎም ይመስሎም። እዚ ነገራት እዚ ግዜያዊ እፎይታ እኳ እንተ ኣምጽአ፡ ዜስዕቦ ጕድኣት ግና ነባሪ እዩ። ንጭንቀትካ ኼፍኵሰልካ ዚኽእል ካልእ ዝሓሸ መገድታት ኣሎ።”—ኣንጀላ።

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንጭንቀት ክትዋጽኣሉ እትኽእል ገለ መገድታት እንታይ እዩ፧ ሓገዝ እንተ ደሊኻ፡ “መንእሰያት ዚሓትትዎ፡” “ከመይ ገይረ እየ ንጭንቀት ክዋጽኣሉ ዝኽእል” ዘርእስቱ ዓንቀጽ ርአ።

ካብ ጭንቀት እፎይታ ኽትረክብ ኢልካ፡ ወልፊ ዜትሕዝ ነገራት ምጥቃም፡ ካብ ዝናም ንምዕቃል ናብ ውቅያኖስ ዘሊልካ ኸም ምእታው እዩ፣ እዚ ድማ ንጸገምካ የጋድዶ።

  •    ንጸቕጢ መዛኑ ኽትዋጽኣሉ ተዳሎ። ጸቕጢ ኻብ መማህርትኻ ወይ ካብ እትርእዮ መዘናግዒ ኺመጽእ ይኽእል እዩ። ፊልምታት፡ መደባት ተለቪዥን፡ ከምኡ እውን ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ሽጋራን ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራን ምትካኽ፡ ሓሪፍን ኬፍ ዘለዎን ነገር ገይሮም እዮም ዜቕርብዎ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “[ብሱላት] ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ልቦናኦም ዘሰልጠኑ [እዮም]።”—እብራውያን 5:14

     “ተምሃሪት ከለኹ፡ ብዙሓት መዛኖይ ሽጋራ ወይ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ብዘይምትካኸይ የኽብሩኒ ነይሮም። መትከለይ ንጹር ምስ ገበርኩ፡ ኪከላኸሉለይ ጀሚሮም። ሓቂ ኸይመስል ይኽእል እዩ፡ እንተ ዀነ ግና መትከልካ ምንጻር ዕቚባ እዩ።”—ኣና።

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ንጸቕጢ መዛኑ ብኸመይ ክትዋጽኣሉ ትኽእል፧ ከምኡ ዝገበርካሉ እዋናት ትዝክርዶ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ሓገዝ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን 2ይ ጥራዝ ኣብ ምዕራፍ 15፡ “ውጥን ጸቕጢ መዛኑ” ዚብል ርአ።

  •   ኣዕሩኽካ ተጠንቂቕካ ምረጽ። ኣዕሩኽካ ብዛዕባ ሽጋራ ወይ ኤለክትሮኒካዊ ሽጋራ ምትካኽ ተመሳሳሊ መትከል እንተ ኣልይዎም፡ ንኸተትክኽ እትፍተነሉ ኣጋጣሚ ጸቢብ እዩ ዚኸውን።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ምስ ጥበበኛታት ዚመላለስ ጥበበኛ ይኸውን፣ ምስ ዓያሹ ዚሓብር ግና ክፉእ ይረክብ።”—ምሳሌ 13:20

     “ርእሰ ግትኣትን ንጽህናን ምስ ዘለዎም ሰባት ምትዕርራኽ፡ ሓጋዚ እዩ። ነቲ ኣብ ህይወቶም ዘሎ ጽቡቕ ነገራት ክትርኢ ኸለኻ፡ ከማታቶም ክትከውን ትድረኽ።”ካልቪን።

     ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦ ናይ ቀረባ ኣዕሩኽካ፡ ንጹህን ጥዑይን ኣነባብራ ንኽትነብር ዝገበርካዮ ቘራጽነት ዚድግፉ ድዮም ወይስ ዜዳኽሙ፧

 ብዛዕባ ማሪዋናኸ እንታይ ኪብሃል ይከኣል፧

 ብዙሓት ሰባት፡ ማሪዋና ጕድኣት የብሉን ይብሉ እዮም። እዚ ግና ሓሶት እዩ።

  •   ማሪዋና ዜትክኹ መንእሰያት ብእኡ ይውለፉ እዮም። መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ማሪዋና ምትካኽ ኣብ ሓንጐልካ ነባሪ ጕድኣት ኬስዕብ ይኽእል፡ ንናይ ምስትውዓል ክእለትካ ድማ የዳኽሞ እዩ።

  •   ኣብ ሕ.መ.ኣ ዚርከብ ምምሕዳር ኣገልግሎታት ጐዳኢ ንጥረ ነገራትን ኣእምሮኣዊ ጥዕናን፡ “መጽናዕትታት ከም ዚሕብሮ፡ ማሪዋና ዜትክኹ ሰባት ኣብ ርክባቶም ጸገማት ኣለዎም፡ ኣብ ትምህርቶም ድኹማት ኣብ ስራሖም ድማ ዘይዕዉታት እዮም፡ ከምኡ እውን ኣብ ህይወቶም ዕግበት የብሎምን” ኢሉ ኣሎ።

     “ካብ ጭንቀተይ እፎይታ ንምርካብ ማሪዋና ኬትክኽ ተፈቲነ ነይረ። ኰይኑ ግና ነቲ ኼስዕበለይ ዚኽእል ወልፊ፡ ነቲ ኣብኡ ዜጥፍኦ ገንዘብ፡ ነቲ ኣብ ጥዕናይ ዜምጽኦ ጕድኣት ምስ ሓሰብኩሉ፡ ማሪዋና ንጭንቀተይ ዜጋድድ ደኣ እምበር ከም ዘየፍኵሶ ተገንዚበ።”— ጁዳ።