ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ናይ ዝርርብ ክእለተይ ብኸመይ ከመሓይሽ እኽእል፧

ናይ ዝርርብ ክእለተይ ብኸመይ ከመሓይሽ እኽእል፧

 ምስ ሰባት ገጽ ንገጽ ምዝርራብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

 ገሊኦም ምስ ሰባት ገጽ ንገጽ ምዝርራብ ስለ ዜጸግሞምን ስለ ዜጨንቖምን ተክስት ምጽሓፍ ከም ዚቐልሎም ይዛረቡ።

 “ገጽ ንገጽ ክትዘራረብ ከለኻ ነቲ እትዛረቦ ኽትእርሞ ወይ ክትድምስሶ ስለ ዘይትኽእል ጸቕጢ ኺስምዓካ ይኽእል እዩ።”—ኣና።

 “ተክስት ምጽሓፍ ኣቐዲሙ ኸም እተቐድሐ መደብ እዩ፣ ገጽ ንገጽ ምዝርራብ ግና ብቐጥታ ኸም ዚመሓላለፍ ፈነወ እዩ። ምስ ሰብ ክዘራረብ ከለኹ፡ ‘ተጠንቀቕ ከይትጋገ!’ ዚብል እዩ ናብ ኣእምሮይ ዚመጸኒ።”—ጂን።

 ውዒሉ ሓዲሩ ናይ ዝርርብ ክእለት ኬድልየካ እዩ። ንኣብነት፡ ሓደስቲ ፈተውቲ ንምጥራይ፡ ስራሕ ንምርካብን ንምዕቃቡን፡ ከምኡ እውን ፍቕራዊ ርክብ ንምጅማር ድሉው ኣብ እትዀነሉ እዋን እዚ ኽእለት እዚ ኼድልየካ እዩ።

 እቲ ጽቡቕ ነገር፡ ሓፋር እውን እንተ ዀንካ ኸይተጨነቕካ ምስ ሰባት ገጽ ንገጽ ምዝርራብ ክትምሃር ትኽእል ኢኻ።

 “ሓድሓደ ግዜ ጌጋ እንተ ተዛሪብና ንሓፍር ኢና። ከምዚ ኼጋጥም ከሎ እተዋረድካ ዀይኑ ኣይሰማዕካ።”—ኒል።

 ዝርርብ ብኸመይ ትጅምር

  •   ሕቶታት ሕተት። ንሰባት ዜገድሶም ኣርእስቲ ሕሰብ፡ ብእኡ ተጠቒምካ ድማ ዝርርብ ጀምር። ንኣብነት፦

     “ዕረፍቲ ኸመይ ነይሩ፧”

     “እዚኣ ሓሪፍ ወብሳይት እያ፡ ቅድሚ ሕጂ ርኢኻያ ትፈልጥ፧”

     “ብዛዕባ . . .  ሰሚዕካዶ፧”

     ወይ ከኣ ምስቲ ሰብ ዘለኩም ናይ ሓባር ነገር ሕሰብ። ንኣብነት፡ መማህርቲ ወይ መሳርሕቲ ዲኹም፧ እምበኣር፡ ኣብዚ ተመስሪትካ ሕቶታት ክትሓትት ትኽእል ኢኻ።

     “ርእይቶ ሰባት ክትሰምዓሉ እትደሊ ሕቶታት ሕተት።”—ማሪትዛ።

     ክትጥንቀቐሉ ዘሎካ፦ ሕቶ ኣብ ርእሲ ሕቶ እናሓተትካ ኸም መርማሪ ኣይትኹን። ብዘይካዚ፡ ዜሰክፎም ሕቶታት ኣይትሕተት። ንኣብነት፡ ከም “ኣዝዩ ዜፍርሃካ ነገር እንታይ እዩ፧” ወይ “ስለምንታይ ኢኻ ወትሩ ሰማያዊ ኽዳን እትኽደን፧” ዝኣመሰለ ሕቶታት ኬሸቝርሮም ይኽእል እዩ። ብፍላይ እታ ኻልአይቲ ሕቶ ትነቕፎም ዘለኻ ኸተምስል ትኽእል እያ።

     ሕቶ ኽትሓትት ከለኻ ኸም መርማሪ ምእንቲ ኸይትመስል ብዛዕባ ዝሓተትካዮ ሕቶ እቲ ሰብ ቅድሚ ምምላሱ ወይ ድሕሪ ምምላሱ ርእይቶ ሃብ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከም ቃለ መጠይቕ ዘይኰነስ፡ ከም ዕላል ግበሮ።

    እቲ እትሓትቶ ሕቶታት ከም መርማሪ የምስለካ ድዩ፧

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሓሳባት ልቢ ሰብ ከም ዓሚቝ ማያት እዩ፣ ኣስተውዓሊ ሰብ ግና ይቐድሖ።”—ምሳሌ 20:5

  •   ንፉዕ ሰማዒ ኹን። ምስ ሰባት እትገብሮ ዝርርብ ምእንቲ ኪቕጽል፡ ዝያዳ ሰማዒ እምበር፡ ተዛራቢ ኣይትኹን።

     “ብዛዕባ እቲ ዘዘራርቦ ዘለኹ ሰብ ሓደ ሓድሽ ነገር ክፈልጥ እጽዕር እየ። ኣብ ዚቕጽል ሕቶ ምእንቲ ኽሓትቶ ነቲ ዝነገረኒ ነገር ክዝክሮ እጽዕር እየ።”—ታማራ።

     ክትጥንቀቐሉ ዘሎካ፦ ቀጺልካ ብዛዕባ እትብሎ ኣይትጨነቕ። ጽን በሃሊ እንተ ዄንካ፡ ካብቲ ንሱ ዝበሎ ተበጊስካ ዝርርብ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ ኹን።’—ያእቆብ 1:19

  •    ናይ ሓቂ ተገዳስነት ኣርኢ። ብዛዕባ እቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ ዝያዳ ትግደስ እንተ ዄንካ፡ ነቲ ዕላል ክትፈትዎ ኢኻ።

     “እቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ ብሓቂ ኸም እትግደሰሉ እንተ ተሰሚዕዎ፡ ዕላልኩም ኣብ መንጎ እኳ እንተ ተቛረጸ፡ እቲ ዝርርብ ዜሐጕስ ኪኸውን ይኽእል እዩ።”—ማሪ።

     ክትጥንቀቐሉ ዘሎካ፦ ዜሰክፍ ሕቶ ኣይትሕተት። ንኣብነት፡ “ጽብቕቲ ጁባ፣ ክንደይ ዓዲግካ፧” እንተ ኢልካዮ ደስ ከይብሎ ይኽእል እዩ።

     ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንጥቕሚ ኻልኦት እውን እምበር፡ ንጥቕሚ ርእስኹም ጥራይ ኣይትጠምቱ።”—ፊልጲ 2:4

 ንዝርርብካ ብኸመይ ክትድምድሞ ትኽእል፧ ነዚ ብዚምልከት ጆርዳን ዝስሙ መንእሰይ ከምዚ ይብል፦ “ነቲ ዕላልካ ብኣወንታዊ መገዲ ዛዝሞ። ‘ጥዑም ኣዕሊልና፡’ ወይ ‘ብሩኽ መዓልቲ ይግበረልካ’ እንተ ኢልካዮ ኣብ ዚቕጽል ምስ ተራኸብኩም ብቐሊሉ ዝርርብ ክትጅምር ትኽእል ኢኻ።”