ናብ ትሕዝቶ ኺድ

መንእሰያት ዚሓትትዎ

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ህቡብ ምዃን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ህቡብ ምዃን ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧

 ኢሌን ዝስማ መንእሰይ፡ “መማህርተይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብኣማእታት ዚቝጸሩ ሰዓብቲ ኸም ዘለዎም ምስ ፈለጥኩ፡ ‘ዜገርም እዩ! ህቡባት እዮም፡’ ኢለ ሓሲበ። ከም ሓቂ፡ ቍሩብ ቀኒአ ነይረ” ትብል።

 ንስኻኸ፡ ከምዚ ተሰሚዑካዶ ይፈልጥ፧ ከምኡ ዚስምዓካ እንተ ዀይኑ፡ እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ህቡብ ንምዃን ኢልካ ብኸንቱ ሒዅ ከይትብል ክትሕግዘካ እያ።

 እንታይ ሓደጋ ኣለዎ፧

 መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ ምሳሌ 22:1፡ “ጽቡቕ ስም ካብ ብዙሕ ሃብቲ ይሕረ” ይብል። ስለዚ፡ ጽቡቕ ስም ኪህልወካ ወይ ካልኦት ኪፈትዉኻ ምድላይ ጌጋ ኣይኰነን።

 ሓድሓደ ግዜ ግና፡ ተቐባልነት ንምርካብ ካብ ዘሎካ ምሒር ድሌት እተላዕለ፡ ህቡብ ንምዃን ከም እትመጣጠር ኪገብረካ ይኽእል እዩ። እሞኸ፡ እዚ ሓደገኛ ድዩ፧ ጓል 16 ዝዀነት ኦንያ፡ ነዛ ሕቶ እዚኣ፡ “እወ” ኢላ እያ ትምልሳ። ከምዚ ኸኣ ትብል፦

 “መማህርተይ ህቡባት ንምዃን ኢሎም ኣዝዩ ሓደገኛ ነገራት ኪገብሩ፡ ንኣብነት፡ ካብ ካልኣይ ደርቢ ኺዘልሉ ርእየ እየ።”

 ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ገሊኦም መንእሰያት፡ ኣቓልቦ መዛኑኦም ንምስሓብ ኢሎም፡ ናይ ዕሽነት ተግባራት ብቪድዮ ቐዲሖም ኣብ ኢንተርነት ይልጥፉ እዮም። ንኣብነት፡ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት፡ ፈጺምካ ኺፍተን ዘይብሉ ነገራት፡ ማለት ንመሕጸቢ ኽዳውንቲ ዜገልግል ከሚካል ኪበልዑ ኸለዉ ዜርኢ ቪድዮ ተቐዲሖም፡ ኣብ ኢንተርነት ይልጥፉ እዮም።

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ሓንቲ ነገር እኳ፡ ንውዳሰ ኸንቱ ኢልኩም ኣይትግበሩ።”—ፊልጲ 2:3ትርጉም 1990።

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

  •   ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ህቡብ ምዃን ክሳዕ ክንደይ እዩ ዜገድሰካ፧

  •   ኣቓልቦ መዛኑኻ ንምስሓብን ብኣታቶም ተቐባልነት ንምርካብን ኢልካ፡ ጥዕናኻ ወይ ህይወትካ ኣብ ሓደጋ ተእቱ ዲኻ፧

 “ህቡባት መሲሎም ይርኣዩ”

 እዚ ኺብሃል ከሎ ግና፡ ሰባት፡ ህቡባት ንምዃን ኢሎም ኵሉ ሳዕ ሓደገኛ ነገራት ይገብሩ ማለት ኣይኰነን። ጓል 22 ዓመት ዝዀነት ኤሪካ፡ ገሊኦም እንታይ ስልቲ ኸም ዚጥቀሙ ኸምዚ ብምባል ትገልጽ፦

 “ገሊኦም ሰባት፡ ምስኦም ወትሩ ግዜ ዜሕልፉ ብዙሓት ፈተውቲ ኸም ዘለውዎም ንምምሳል፡ ስእሊ ኣብ ርእሲ ስእሊ ይልጥፉ እዮም። በዚ ኸምዚ፡ ህቡባት መሲሎም ይርኣዩ።”

 ኬራ ዝስማ ጓል 15 ዓመት ከኣ፡ ገሊኦም ሰባት፡ ህቡባት ንምምሳል ኢሎም ከም ዜደናግሩ ንምግላጽ ከምዚ ትብል፦

 “ኣብ ቤት ክነሶም፡ ኣብ ፓርቲ ኸም ዘለዉ ገይሮም ዚሰኣሉ ሰባት እፈልጥ እየ።”

 ወዲ 22 ዓመት ዝዀነ ማትዩ፡ ተመሳሳሊ ነገር ከም ዝገበረ ተኣሚኑ ኣሎ። ከምዚ ኸኣ በለ፦

 “ናብ እስያ ፈጺመ ኸይደ ዘይፈልጥ ክነሰይ፡ ኣብ እምባ አቨረስት ከም እተሰኣልኩ ኣምሲለ ለጢፈ እየ” በለ።

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ ‘ኣብ ኵሉ ብቕንዕና ኽንነብር ንደሊ ኢና።’—እብራውያን 13:18

 ነዚ ዚስዕብ ሓሰበሉ፦

  •   ማሕበራዊ መራኸቢ ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ ህቡብ ንምዃን ኢልካ ተደናግር ዲኻ፧

  •   እትልጥፎ ስእልታትን ሓሳባትን ንመንነትካን ነቲ ብሓቂ እትኣምነሉ ነገራትን ዜንጸባርቕ ድዩ፧

 ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዚስዕቡኻን ንእትልጥፎ ዚፈትዉልካን ምርካብ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ እዩ፧

 ሓያሎ ሰባት፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ህቡብ ምእንቲ ኽትከውን፡ ብዙሓት ሰዓብትን ፈተውትን ኪህልውኻ ኸም ዚግባእ ይኣምኑ። እቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ማትዩ፡ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ተመሳሳሊ ስምዒት ከም ዝነበሮ ይእመን፦

 “ንሰባት፡ ‘ክንደይ ሰዓብቲ ኣለዉኻ፧ ወይ ካብ ዝለጠፍካዮ ዝለዓለ ቝጽሪ ተፈታውነት ዝረኸበ ኣየናይ እዩ፧’ ኢለ እሓትቶም ነይረ። ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ፡ ብዙሓት ሰዓብቲ ምእንቲ ኽረክብ ኢለ ንዘይፈልጦም ሰባት እስዕብ ነይረ። በዚ ኸምዚ፡ ህርፋን ህቡብነት ኣማዕቢለ፣ ማሕበራዊ መራኸቢ ኸኣ ነዚ ስምዒት እዚ ኣጋደዶ።”

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ህቡብ ምዃን ከም ሓሸር በሸር እዩ። ንግዜኡ ባህ የብለካ፡ ግናኸ ኣየዕግበካን።

 ጓል 25 ዝዀነት ማርያ፡ ገሊኦም ሰባት፡ በቲ ዘለዎም ቍጽሪ ሰዓብትን በቲ ዚረኽብዎ መጠን ተፈታውነትን ንገዛእ ርእሶም ከም ዚመዝንዋ ተዓዚባ እያ። ብዛዕባኡ ኽትገልጽ ከላ ድማ፦

 “ንኣብነት፡ ሓንቲ ጓል ዝለጠፈቶ ስእላ ብዙሕ ተፈታውነት እንተ ዘይረኺቡ፡ ‘ግናይ እየ’ ኢላ ትድምድም። እዚ ግጉይ መደምደምታ እኳ እንተዀነ፡ ከምኡ ኢሎም ዚሓስቡ ብዙሓት ሰባት ኣለዉ። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንገዛእ ርእሶም እዮም ዚድንድንዋ ዘለዉ።”

 መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፦ “ንሓድሕድና ብምትህልላኽን ብምቅንናእን፡ ርእሰ ውዳሰ ኣይንድለ።”—ገላትያ 5:26

 ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ፦

  •   ማሕበራዊ መራኸቢ ትጥቀም እንተ ዄንካ፡ እዚ ንርእስኻ ምስ ካልኦት ከተወዳድራ ይደፋፍኣካ ድዩ፧

  •   ብዝያዳ ዜገድሰካ ነገር፡ ካብ ልቢ ምስ ዚሓልዩልካ ሰባት ዕርክነት ምምስራት ድዩ ወይስ ብዝሒ ሰዓብቲ፧