ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ሓዳር

ንተክኖሎጂ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ኽትሕልዎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ንተክኖሎጂ ኣብ ግቡእ ቦታኡ ኽትሕልዎ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

 ንተክኖሎጂ እትጥቀመሉ መገዲ ንሓዳርካ ኺጠቅም ወይ ኪጐድእ ይኽእል እዩ። እሞ ደኣ ንሓዳርካ ብኸመይ ይጸልዎ ኣሎ፧

 ክትፈልጦ ዘሎካ

  •   ንተክኖሎጂ ብጥበብ እንተ ተጠቒምካሉ፡ ኣብ ሓዳርካ ጥቕሚ ኼምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰብኡትን ኣንስትን በበይኖም ኣብ ዚውዕሉሉ እዋን፡ ብዛዕባ ውዕሎኦም ይተሓታተቱሉ እዮም።

     “‘እፈትወኪ እየ’ ወይ ‘ብዛዕባኺ እሓስብ ኣለኹ’ ዚብል ቀሊል ናይ ጽሑፍ መልእኽቲ፡ ዓብዪ ትርጉም ኪህልዎ ይኽእል እዩ።”—ጆናታን።

  •   ንተክኖሎጂ ብዘይግቡእ እንተ ተጠቒምካሉ፡ ኣብ ሓዳርካ ጕድኣት ኬምጽኣልካ ይኽእል እዩ። ንኣብነት፡ ገሊኦም ሰባት ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታቶም ብቐጻሊ ስለ ዚጥቀሙሉ፡ ንመጻምድቶም ዚግብኦ ግዜን ቈላሕታን ኣይህብዎን።

     “ሓድሓደ ግዜ፡ ኣብ ተሌፎነይ እንተ ዘይትከል ነይረ፡ ሰብኣየይ ብርግጽ ንዓይ ንምዝራብ ምቐለሎ ነይሩ።”—ጁሊሳ

  •   ገሊኦም ሰባት ምስ መጻምድቶም ጽቡቕ ምይይጥ እናገበሩ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታቶም ኪጥቀሙ ኸም ዚኽእሉ ይዛረቡ እዮም። ብመሰረት ሓንቲ ሽሪል ቱርክል እትብሃል ክኢላ ስነ ማሕበረኛ ግና፡ ክልተ ነገር ብሓንሳእ ምግባር ኣጸጋሚ እዩ። ብዙሕ ነገር ብሓንሳእ ንምዕማም ዚግበር ፈተነ፡ ጽቡቕ ኣይኰነን። እታ ኽኢላ፡ “እንገብሮ ነገራት እናኣብዛሕና ብዝኸድና መጠን፡ ነቲ ተግባራት ናይ ምፍጻም ብቕዓትና እናኣንቈልቈለ እዩ ዚኸይድ” ትብል። a

     “ምስ ሰብኣየይ ምዝርራብ ባህ ይብለኒ እዩ፣ ካልእ ነገር እናገበረ ኽዛረቦ ግና ባህ ኣይብለንን እዩ። ካልእ ነገር እናገበረ እንተ ኣዛራሪቡኒ፡ ምስ ኤለክትሮኒካዊ መሳርሒኡ ጥራይ እንተ ተሓዲጉ ኸም ዚሕጐስ ኰይኑ እዩ ዚስምዓኒ።”—ሳራ።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ንተክኖሎጂ እትጥቀመሉ መገዲ ንሓዳርካ ኺጠቅም ወይ ኪጐድእ ይኽእል እዩ

 ክትገብሮ እትኽእል

 ቀዳምነታት ስራዕ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “እቲ ዚሓይሽ ክትምርምሩ” ኢሉ የተባብዓና እዩ። (ፊልጲ 1:10) ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘እቲ ኣነን መጻምድተይን ንኤለክትሮኒካዊ መሳርሒታትና እንህቦ ግዜን ቈላሕታን፡ ካብቲ ንሓድሕድና ኽንውሃሃቦ ዚግባእ ግዜን ቈላሕታን ይሰርቀና ድዩ፧’

 “ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ቤት ምግቢ እናተመገቡ፡ ክልቲኦም ኣብ ተሌፎናቶም ተተኺሎም ምርኣይ ዜሕዝን እዩ። ባሮት ተክኖሎጂ ኻብ ምዃንና እተላዕለ፡ እቲ ልዕሊ ዅሉ ዜገድስ ነገር ርክብና ምዃኑ ኽንርስዕ ኣይንደልን ኢና።”—ማቲው።

 ደረት ግበረሉ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ከም ዓያሹ ዘይኰነስ፡ ከም ለባማት ከመይ ከም እትመላለሱ ኣጸቢቕኩም ተጠንቀቑ፣ . . . ንግዜኹም ብዝበለጸ ተጠቐሙሉ” ይብል። (ኤፌሶን 5:15, 16) ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ንዅሉ እቲ ዚመጸኒ መልእኽቲ ብኡብኡ ኣብ ክንዲ ዝምልስ፡ ህጹጽ ንዘይኰነ መልእኽትታት ዘንብበሉን ዝምልሰሉን ግዜ ኽምድብዶ እኽእል፧’

 “ንተሌፎነይ ከም ዘይትድውል እየ ዝገብራ፣ ድሕሪኡ ንመልእኽትታት ኣብ ዚጥዕም እዋን እየ ዝምልስ። ህጹጽ ምላሽ ዜድልዮ ስልኪ ወይ መልእኽቲ ወይ ኢ-መይል ሳሕቲ እዩ ዜጋጥመኒ።”—ጆናታን።

 እንተ ተኻኢሉ፡ ንስራሕ ኣብ ስራሕ ሕደጎ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ንዅሉ ገግዜኡ ኣለዎ” ይብል። (መክብብ 3:1) ገዛእ ርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦ ‘ስራሐይ ብሞባይል ተሌፎን ኣቢሉ ንገዛይ ይወርሮዶ ኣሎ፧ ከምኡ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ንሓዳረይ ብኸመይ ይጸልዎ ኣሎ፧ መጻምድተይ እንታይ ምበለ፧’

 “ብሰንኪ ተክኖሎጂ፡ ኣብ ዝዀነ ሰዓት ክንሰርሕ ንኽእል ኢና። ምስ ሰበይተይ ብሓንሳእ ኣብ ዚዀነሉ እዋን ተሌፎነይ ብቐጻሊ ምርኣይን ናይ ስራሕ ጕዳያት ምሓዝን ምእንቲ ኽሓድጎ፡ ፍሉይ ጻዕሪ ኽገብር ኣድልዩኒ እዩ።”—ማቲው።

 ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ተክኖሎጂ ምስ መጻምድትኻ ተመያየጥ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ” ይብል። (1 ቈረንቶስ 10:24) ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ተክኖሎጂ ኣብ መንጎ ሓዳርኩም ተዛራረቡሉ፣ ለውጢ ዜድሊ እንተ ዀይኑ እውን ርኣዩ። ነቲ ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ መምርሒ ምይይጥ ክትጥቀሙ ትኽእሉ ኢኹም።

 “ኣነን ሰብኣየይን ብግልጺ ኢና እንዛራረብ፣ ሓዴና ተሌፎን ወይ ታብለት የብዝሕ ከም ዘሎ እንተ ተሰሚዑና፡ ንነጋገር ኢና። እዚ ጸገም ኪኸውን ከም ዚኽእል ንፈልጥ ኢና፣ ስለዚ፡ ንርእይቶ ሓድሕድና ተጠንቂቕና ኣብ ግምት ነእቱ ኢና።”—ዳንየል።

 ቀንዲ ነጥቢ፦ ንተክኖሎጂ ጊልያኻ ደኣ እምበር፡ ጐይታኻ ኣይትግበሮ።

a ሪክለይሚንግ ኮንቨርዜሽን—ዘ ፓወር ኦቭ ቶክ ኢን ኤ ዲጂታል ኤጅ ካብ ዘርእስታ መጽሓፍ።