ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ንስድራ ቤት | ኣተዓባብያ ውሉዳት

ንቘልዑ ብኸመይ ብዛዕባ ዓሌትነት ትዛረቦም፧

ንቘልዑ ብኸመይ ብዛዕባ ዓሌትነት ትዛረቦም፧

 ውሉድካ ብንእሱ ኸሎ፡ ሰባት ብሕብሪ ቘርበት ወይ ከኣ ዓሌት ኣማኻንዮም ኣብ ልዕሊ ኻልኦት ሰባት ኣድልዎ ኺገብሩ ይዕዘብ ይኸውን። በቲ ኻልኦት ዜርእይዎ ዓሌታዊ ኣድልዎ ንኸይጽለው ብኸመይ ክትሕግዞ ትኽእል፧ ግዳይ ዓሌታዊ ኣድልዎ ምስ ዚኸውንከ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦

 ንቘልዑ ብዛዕባ ዓሌት ብኸመይ ከም ትዛረቦም፧

 ክትገልጸሎም እትኽእል ነገራት። ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ደቂ ሰብ ኣዝዩ ዜደንቕ እተፈላለየ ኣካላዊ ቝመናን ባህላዊ ልምድታትን ኣለዎም። እዚ ፍልልያት እዚ፡ ገለ ሰባት ንኻልኦት ብሰንኪ ትርኢቶምን ልምድታቶምን ንኺገፍዕዎም ምኽንያት ኰይኑ እዩ።

 ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኵሎም ደቂ ሰብ ሓደ መበቈል ከም ዘለዎም እዩ ዚምህር። ብኻልእ ኣዛራርባ ዅላትና ኣዝማድ ኢና።

[ኣምላኽ] ካብ ሓደ ሰብ ኵሉ ህዝቢ ገይሩ”ግብሪ ሃዋርያት 17:26

 “ደቅና ምስ እተፈላለየ ዓሌታዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ድሕሪ ምምሕዛዎም፡ ኵሉ ሰብ ፍቕርን ኣኽብሮትን ከም ዚግብኦ ባዕሎም ኪርድእዎ ኸም ዚኸኣሉ ኣስተብሂልና ኢና።”—ኬረን።

 ንቘልዑ ብዛዕባ ዓሌትነት ብኸመይ ከም ትዛረቦም፧

 ውሉድካ ውዒሉ ሓዲሩ፡ ብዛዕባ ብጽልኢ ዚግበር ነገራትን ዓሌታዊ ኣድልዎን ኣብ ዜና ምስምዑ ኣይተርፎን እዩ። ብዛዕባ እቲ ዝውረ ዘሎ ነገር ብኸመይ ከተርድኦ ትኽእል፧ እንታይ ኢልካ ከም እትዛረቦ ኣብ ዕድመ ውሉድካ እዩ ዚምርኰስ።

  •   ትምህርቲ ዘይጀመሩ ህጻናት። ዶክተር ኣሊሰን ብሪስኮ ስሚዝ ኣብ ፓረንትስ መጽሔት ከምዚ ብምባል ገሊጻ ኣላ፦ “ንኣሽቱ ቘልዑ ብዛዕባ ፍትሓውነትን ዘይፍትሓውነትን ኣጸቢቑ እዩ ዚርድኦም። . . . እዚ ኸኣ ምስቶም ቘልዑ ብዛዕባ ዘይፍትሓውነት ክትመያየጥ ከለኻ ጽቡቕ ባይታ ኺፈጥረልካ ይኽእል እዩ።”

“ኣምላኽ ከም ዘየዳሉ . . . የግዳስ፡ ኣብ ኵሉ ህዝቢ፡ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅኑዕ ዚገብርን፡ ብእኡ ቕቡል እዩ።”ግብሪ ሃዋርያት 10:34, 35

  •   ዕድመ ዅትትና ዘይበጽሑ ቘልዑ። ኣብ መንጎ 6ን 12ን ዕድመ ዚርከቡ ቘልዑ ናይ ምፍላጥ ድሌት ስለ ዘለዎም፡ ሓድሓደ ግዜ ኣሸጋሪ ሕቶታት ይሓቱ እዮም። ሕቶታቶም ንምምላስ ዚከኣለካ ግበር። ንደቅኻ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዚርእይዎን ኣብ ዜና ዚሰምዕዎን ነገራት ኣዛርቦም። በዚ ኣጋጣሚ ተጠቒምካ ኸኣ ዓሌታዊ ኣድልዎ ጌጋ ምዃኑ ግለጸሎም።

“ኵላትኩም ሓደ ዝሓሳቦም፡ እትደናገጹ፡ ሕውነታዊት ፍቕሪ ዘላትኩም፡ ርሕሩሓት፡ ትሑታት ኩኑ።”1 ጴጥሮስ 3:8

  •   ዕድመ ዀተቴ። እዚ ዕድመ እዚ፡ መንእሰያት ብዛዕባ ኣብ ህይወቶም ዜጋጥም ጸገማት ዝያዳ ኺርድኦም ዚጅምረሉ እዋን እዩ። ውሉድካ ኣብዚ ዕድመ እዚ ምስ በጽሐ፡ ብዛዕባ ዓሌታዊ ኣድልዎ ዚምልከት ኣብ ዜና ዚቐርብ ጸብጻብ ንኽትመያየጥሉ፡ ብሉጽ ኣጋጣሚ ይኸፍተልካ እዩ።

“ዕጹም ብልዒ . . . ነቶም ቅኑዕን ጌጋን ንምፍላይ ብተመክሮ ልቦናኦም ዘሰልጠኑ ብሱላት እዩ።”እብራውያን 5:14

 “ንደቅና ኣብ ዝሃለዉ ይሃልዉ ብዘየገድስ፡ ሓደ መዓልቲ ዓሌታዊ ጽልኢ ኼጋጥሞም ከም ዚኽእል ንነግሮም ኢና። ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ እዚ፡ ኣብ ገዛ እንተ ዘይተዛራሪብናሉ፡ በተሓሳስባ እቶም ኣድልዎ ዘለዎም ሰባት ኪጽለዉ ይኽእሉ እዮም። ሰባት ንግጉይ ሓበሬታ ሓቂ ኸም ዝዀነ ገይሮም ኬቕርብሎም ይኽእሉ እዮም።”—ታንያ።

 ብኸመይ ኣብነት ከም እትኸውን

 ውሉዳት ብኣብነት ስለ ዚምሃሩ፡ ከም ወላዲ መጠን ኣብ ኣማሃህራኻን ተግባራትካን ጥንቁቕ ክትከውን ኬድልየካ እዩ። ንኣብነት፦

  •   ብዛዕባ ኻልእ ዝዓሌቶም ሰባት ተላግጽ ወይ ትጻረፍ ዲኻ፧ ኣመሪካን ኣካዳሚ ኦቭ ቻይልድ ኤንድ ኣዶለሰንት ሳኪያትሪ፡ “ክትዛረብ ከለኻ ደቅኻ ይዕዘቡኻን ይሰምዑኻን እዮም። ከም ቈልዑ መጠን ድማ ብባህሪኦም ንዓኻ ኺመስሉ እዮም ዚደልዩ” ትብል።

  •   ካብ ካልእ ክፍልታት ዓለም ምስ ዚመጹ ሰባት ክትተሓወስ ባህ ይብለካ ድዩ፧ ኣላና ንዞማ እተባህለት ሓኪም ህጻናት፡ “ደቅኻ ምስ እተፈላለየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ሰባት ጽቡቕ ምሕዝነት ኪፈጥሩ ትደልዮም እንተ ደኣ ኴንካ፡ ንስኻ ባዕልኻ ነዚ ኣብ ተግባር ከተውዕሎ ኸለኻ ኺርእዩኻ ኣለዎም” ትብል።

“ንዅሉ ዓይነት ሰብ ኣኽብሩ።”1 ጴጥሮስ 2:17

 “ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ስድራ ቤትና፡ ካብ እተፈላለየ ኽፍልታት ዓለም ንዝመጹ ኣጋይሽ ኣአንጊዳ እያ። ብዛዕባ ምግቦም፡ ሙዚቃኦም፡ ባህላዊ ኣከዳድናኦም ተማሂርና ኢና። ምስ ደቅና ብዛዕባ ሰባት ክንዘራረብ ከለና፡ ኣብ መበቈሎም ኣይነተኵርን ኢና። ብዛዕባ ባህልና ኸይንጃሃር ከኣ ንጥንቀቕ ኢና።”—ካታሪና።

 ውሉድካ ግዳይ ኣድልዎ ምስ ዚኸውን

 ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ዓሌታዊ ማዕርነት እኳ እንተ ተዛረቡ፡ ዓሌትነት ኣስፋሕፊሑ እዩ ዘሎ። እዚ ማለት ከኣ፡ ውሉድካ፡ ብፍላይ ከኣ ካብቶም ኣትሒትካ ዚርኣዩ ጕጅለ ሰባት እንተ ዀይኑ ንግፍዒ እተቓልዐ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምኡ ምስ ዜጋጥምከ፦

 እቲ ሓቂ ኣጻሪ። እቲ ሰብ ደይ መደይ ኢሉ ብኽፍኣት ድዩ ወይስ ብሃወኽ ብዘይምሕሳብ እዩ ተዛሪብዎ፧ (ያእቆብ 3፡2) ነቲ በዳሊ ምዝራብ የድሊ ድዩ፧ ወይ ነቲ ጕዳይ ሸለል ክትብሎ ትኽእል ኢኻ፧

 ብርግጽ ምምዝዛን ኣድላዪ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ “ንዅራ ኣይትተሃወኽ” ብምባል ጥበባዊ ምኽሪ ይህብ እዩ። (መክብብ 7:9) ዓሌትነት ኣነኣኢስካ ዚርአ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኵሉ ዜጋጥመና ጸርፊ ካብ ዓሌታዊ ጽልኢ ዚብገስ ኣይኰነን።

 ርግጽ እዩ ነፍሲ ወከፍ ዜጋጥም ኵነታት እተፈላለየ እዩ። ስለዚ፡ ስጕምቲ ቕድሚ ምውሳድካ እንታይ ከም ዘጋጠመ መርምር።

“ከይሰምዐ ዚምልስ፡ ዕሽነትን ውርደትን ይዀኖ።”ምሳሌ 18:13

 እቲ ሓቂ ምስ ኣረጋገጽካ፡ ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት፦

  •   ‘ውሉደይ ብዛዕባ ሰባት ኣሉታዊ ኣረኣእያ ምስ ዚህልዎ፡ ዜጋጥሞ ጸርፊ ኸኣ ብምኽንያት ዓሌቱ ኸም ዝዀነ ገይሩ ዚሓስብ እንተ ዀይኑ እንታይ ረብሓ እዩ ዜምጽኣሉ፧’

  •  ‘ውሉደይ ነቲ “ሰባት ዚብልዎ ዅሉ ቓል ኣብ ልብኻ ኣይተሕድር” ዝብል ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ምኽሪ ብምስዓቡ ኺጥቀም ይኽእልዶ፧’—መክብብ 7:21

“ልዙባት ምዃንኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ።”ፊልጲ 4:5

 እቲ መጥቃዕቲ ዀነ ኢልካ ዚግበር ምስ ዚኸውንከ፧ ውሉድካ በቲ ዚህቦ ምላሽ ነቲ ጕዳይ ከማሓይሾ ወይ ኬጋድዶ ኸም ዚኽእል ክግንዘብ ሓግዞ። ሓድሓደ ግዜ፡ ሓደ ሰብ ንኻልእ ሰብ ምእንቲ ሓሪቑ ኽብኣሶ ኢሉ ይላገጸሉ፡ ይድንድኖ፡ ወይ ይጸርፎ፡ እዩ። ኣብ ከምዚ ዅነታት እቲ ዝበለጸ መልሲ፡ ስቕ ምባል እዩ።

“ዕንጨይቲ ኣብ ዘይብሉ፡ ሓዊ ይጠፍእ።”ምሳሌ 26:20

 እቲ ዅነታት ዘየስግእ ምስ ዝኸውን ግና፡ ውሉድካ ነቲ በዳሊ ኼዛርቦ ይኽእል እዩ። ውሉድካ ነቲ በዳሊ ናብ ባእሲ ብዘየምርሕ መገዲ፡ “እቲ ዝበልካዮ ወይ ዝገበርካዮ ልክዕ ኣይኰነን” ኪብሎ ይኽእል እዩ።

 ብዛዕባ እቲ ዅነታት ንዚምልከቶ ኽትሕብር ኣድላዪ ምስ ዚኸውንከ፧ ንድሕንነት ውሉድካ ዘስግእ ምስ ዝኸውን፡ ወይ ከኣ ዕሽሽ ኪብሃል ዘይብሉ ዅነታት ከም ዘሎ ዀይኑ እንተ ተሰሚዑካ፡ ንሓለፍቲ ቤት ትምህርቲ ወይ ንፖሊስ ከይተሰከፍካ ከተመልክት ትኽእል ኢኻ።