ንስድራ ቤት|ኣተዓባብያ ውሉዳት
ውላድካ ርእሰ ቕትለት ምስ ዚሓስብ
ኣብዚ ቐረባ ዓመታት፡ ብዝሒ ርእሰ ቕትለት ዚፍጽሙ መንእሰያት ኣብ ገለ ሃገራት ወሲኹ እዩ። ከምኡ ዚኸውን ዘሎ ስለምንታይ እዩ፧ ውላድካ ርእሰ ቕትለት ክፍጽም ይሓስብ ድዩ፧
ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ
ውሉዳትን ርእሰ ቕትለትን—ንወለዲ ዜተሓሳስቦም ስለምንታይ እዩ፧
ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ካብ 2009 ክሳዕ 2019 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣብ ተምሃሮ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፡ ሕዱር ጭንቀት ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ እዩ። ኣብቲ እዋን እቲ ብዝሒ ርእሰ ቕትለት እውን ወሲኹ እዩ። a
“ኣብዚ እዋን እዚ ዘለዉ መንእሰያት፡ ዜጋጥሞም ዘሎ ብድሆታት ተራእዩ ዘይፈልጥ እዩ። . . .እዚ ኸኣ፡ ኣብ ኣእምሮኣዊ ጥዕና መንእሰያት ብዙሕ ጕድኣት ኣውሪዱ እዩ።”—ቪቨክ ኤች መርቲ፡ ሰርጀን ጀነራል ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ስቡር መንፈስ ግና ብርታዐ ይጽንቅቕ።”—ምሳሌ 17:22።
ውላድካ ርእሰ ቕትለት ኪፍጽም ከም ዚሓስብ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧
ነዚ ዚስዕብ ረቛሒታት ሕሰበሉ።
ኵነታት። ውላድካ ኸም ተነጽሎ፡ ምፍልላይ፡ ሓሲባቶ ዘይሰለጣ ነገር፡ ወይ ሞት እትፈትዎ ሰብ ዝኣመሰለ ጸገማት ኣጋጢምዋ ድዩ፧ እሞኸ እቲ ዅነታት ካብቲ እትሓስቦ ንላዕሊ ጐዲኡዋዶ ይኸውን፧ b
ባህሪ። ውላድካ ኻብ መሓዙታ ወይ ስድራኣ ርሒቓ ኣላ ድያ፧ ወይ ኣዘውቲራ እትገብሮ ዝነበረት ነገራት ምግባር ኣቋሪጻ ድያ፧ እትፈትዎ ንብረት ንኻልኦት ዓዲላ ድያ፧
ኣዘራርባ። ጓልካ ብዛዕባ ሞት ጥራይ ተዕልል ድያ፧ ወይ ከኣ፡ ‘እንተ ዝመውት ምሓሸ’ ትብል ድያ፧ ወይ ‘ጾር ኰይነኩም’ ዝብል ዘረባ ትደጋግም ድያ፧
ገሊኡ እትዛረቦ ዘረባታት፡ “ቀይዲ ዘይብሉ” ዘረባ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (እዮብ 6:3) ገሊኡ ግና ናይ ሓቂ ሓገዝ ደልያ እትዛረቦ ዘረባ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ፡ ነቲ ውላድካ ክትመውት ከም እትደሊ እትዛረቦ ዝዀነ ዘረባታት ዕሽሽ ኣይትበሎ።
ከምኡ ሓሲባ ኸም እትፈልጥ እንተ ነጊራትካ፡ ከምዚ ኢልካ ሕተታ፡ ‘መዓስ ወይ ብኸመይ ኢኺ ኽትገብርዮ ሓሲብኪ ኔርኪ፧’ እቲ እትህቦ መልሲ፡ ክብደት እቲ ዅነታት ንኽትርዳእ ኪሕግዘካ እዩ።
“ከም ወለዲ መጠን እቲ ውሉዳትና ዚህብዎ ምላሽ ስለ ዜፍርሃና፡ ክንሓትቶም ኣይንደልን ንኸውን። ነቲ ኣብ ውሽጦም ዚስምዖም ዚነግሩና ኻብ ኰነ ግና፡ እንተ ፈለጥናዮ ይሓይሽ።”—ሳንድራ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ሓሳባት ልቢ ሰብ ከም ዓሚቝ ማያት እዩ፣ ኣስተውዓሊ ሰብ ግና ይቐድሖ።”—ምሳሌ 20:5።
ውላድካ ርእሰ ቕትለት ኪፍጽም ዚሓስብ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ክትሕግዝ ትኽእል፧
ሓሳባት ውላድካ ኽትፈልጥ ብትዕግስቲ ጽዓር። ፈለማ ስለቲ ቕንዕናኣ ኣመስግና። ቀጺልካ ኸምዚ ኽትብላ ትኽእል ኢኻ፦ ‘ኣብ ህይወትኪ ብዛዕባ ዜጋጥም ነገራት ክፈልጥ እደሊ እየ።’ ‘እንታይ ሓድሽ ነገር ኣሎ፧’ ወይ ‘ከምኡ ዓይነት ሓሳብ ኪመጸኪ ኸሎ፡ ከመይ እዩ ዚስምዓኪ፧’
ብትዕግስቲ ጽን ኢልካ ስምዓያ። ንስምዒታ ኣይተነኣእሶ ወይ ቅልጡፍ መፍትሒ ኽትህብ ኣይትፈትን።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ ‘ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንቝጥዓ ደንጓዪ ኹን።’—ያእቆብ 1:19።
ናይ ድሕንነት መደብ ኣውጽኣላ። ውላድካ ነዚ ዚስዕብ ክትፈልጦን ክትጽሕፎን ሓግዛ።
ናይ መጠንቀቕታ ምልክታት። እንታይ ዓይነት ኵነታት ወይ ሓሳባት እዩ ብዛዕባ ርእሰ ቕትለት ክትሓስብ ዚገብራ፧
ሓጋዚ ንጥፈታት። እንታይ ንጥፈታት እዩ ንጭንቀታ ዜፍኵሰላን ብዛዕባ ርእሰ ቕትለት ከይትሓስብ ዚሕግዛን፧
ዚሕግዙ ሰባት። ውላድካ ሓገዝ ኣብ ዜድልያ እዋን፡ ኪሕግዝዋ ዚኽእሉ ብቐረባ ኽትረኽቦም እትኽእል ሰባት ኣለዉዶ፧ ንኣብነት፡ ንስኻ ባዕልኻ፡ ካልእ ዓብዪ ሰብ፡ ሰብ ሞያ ኣእምሮኣዊ ጥዕና፡ ወይ ድማ ሓሳባት ርእሰ ቕትለት ዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ ዝሰልጠኑ ትካላት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ውጥናት ትጉህ ብርግጽ ናብ ኣሳልጦ ይመርሕ።”—ምሳሌ 21:5።
ኣስተብህለላ። ሒሽዋ ኣሎ ኢልካ፡ ምክትታልካ ኣይተቋርጽ።
“ወደይ ደጊም ርእሱ ክቐትል ከም ዘይሓስብ ምስ ነገረኒ፡ እቲ ዝነበሮ ጸገም ዘብቅዐ መሲሉኒ ነይሩ። ከምኡ ኢለ ምሕሳበይ ግና ዓብዪ ጌጋ እዩ ነይሩ። ከመይሲ፡ ሓደ ሰብ ሃንደበት ብዛዕባ ርእሰ ቕትለት ከም ዚሓስብ ዝገብሮ ጸገማት ኬጋጥሞ ይኽእል እዩ።”—ዳንኤል።
ውላድካ ነዚ ኣገዳሲ ሓቂ ኽትግንዘብ ሓግዛ፦ ስምዒት ግዝያዊ እዩ። ከምቲ ዘ ሆል ብረይን ቻይልድ ዘርእስቱ መጽሓፍ ዚገልጾ፡ “ስምዒት ከም ኵነታት ኣየር እዩ። ዝናም ጅው እናበለ፡ ዝናም የሎን ኢልካ ብዝናም ምጥስጣስ ዕሽነት እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ጸሓይ ድሕሪ ደጊም ኣይክትበርቕን እያ ኢልካ ምሕሳብ እውን ዕሽነት እዩ።”
ኣጸናንዓያ። ንውላድካ ኸም እትፈትዋን ክትሕግዛ ድሉው ምዃንካን ኣረጋግጸላ። ‘ነዚ መታን ክትዋጽእሉ ዝከኣለኒ ዅሉ ብምግባር ክሕግዘኪ እየ’ ኽትብላ እውን ትኽእል ኢኻ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ናይ ሓቂ ፈታዊ፡ ኵሉ ግዜ የፍቅር፣ ንግዜ ጭንቂ እተወልደ ሓው ድማ እዩ።”—ምሳሌ 17:17።