ንስድራ ቤት | ሓዳር
ኣብ እዋን እርጋን ፍትሕ ምእንቲ ኸየጋጥም እንታይ ኪግበር ይከኣል፧
ካብ 1990 ክሳዕ 2015 ኣብ ዝነበረ ዓመታት፡ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ፍትሕ ኣብቶም ልዕሊ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ብዕጽፊ፡ ኣብቶም ልዕሊ 65 ዓመት ዝዕድሚኦም ድማ ብሰለስተ ዕጽፊ ወሲኹ። ኣብ እዋን እርጋን ዜጋጥም ፍትሕ መበገሲኡ እንታይ እዩ፧ ሓዳርካ በዚ ምእንቲ ኸይጽሎ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ፦
ጠንቂ ኣብ እዋን እርጋን ዜጋጥም ፍትሕ እንታይ እዩ፧
መብዛሕትኡ እዋን፡ ሰብ ሓዳር ርክቦም በብቝሩብ እናላሕለሐ ስለ ዚኸይድ እዮም ኣብ እርጋኖም ዚፋትሑ። ምስ ምንዋሕ ግዜ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ድሌታቶም እናተፈላለየ፡ እቲ ብሓባር ዚገብርዎ ነገራት እናወሓደ ይኸይድ። ወይ ድማ ውሉዳቶም ዓብዮም ካብ ገዛ ምስ ወጹ፡ እቶም ሰብ ሓዳር ኣትኵሮኦም ከም ወለዲ ኣብ ዝነበሮም ሓላፍነት እምበር ኣብ ንሓድሕዶም ከም ዘይነበረ ይግንዘቡ እዮም።
ኣብ ቀረባ ዓመታት፡ ክኢላታት ኢና በሃልቲ ንሰብ ሓዳር ኣብ ገዛእ ርእሶም ኬተኵሩ ይመኽርዎም እዮም። ሰብ ሓዳር፡ ‘ብሓዳረይ ሕጉስ ድየ፧’ ‘ሓዳረይ ዝሓሽኩ ሰብ ይገብረኒዶ ኣሎ፧’ ‘መጻምድተይ ብዛዕባ ርእሰይ ጽቡቕ ከም ዚስምዓኒ ይገብር ድዩ፧’ ኢሎም ኪሓትቱ የተባብዕዎም እዮም። መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ፡ ‘ኣይፋል’ እንተ ዀይኑ፡ እዚ ሕጂ ዘሎ ኣተሓሳስባ፡ ‘ንዓኻ ዚጥዕመካ ግበር፡ ተፋቲሕካ ሓድሽ ናብራ ጀምር’ ዚብል እዩ።
ሎሚ፡ ሰባት ንፍትሕ ኣቕሊሎም እዮም ዚርእይዎ። ስነ ማሕበረኛ ኤሪክ ክሊንበርግ ነዚ ብዚምልከት፡ “ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት፡ ሓደ ብሓዳሩ ዘይ ሕጉስ ሰብ ኪፋታሕ ምስ ዚውስን፡ ነቲ ውሳነኡ ዚድግፍ ዜእምን ምኽንያት ኬቕርብ ነይርዎ። ሎሚ ግና ብኣንጻሩ እዩ። ኣብ ሓዳርካ ዘይ ሕጉስ ክነስኻ፡ ንኽትቅጽሎ ዚገብር ብቑዕ ምኽንያት ኪህልወካ ኣለዎ። ከመይሲ፡ ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ንርእሶም ዚጥዕሞም ጥራይ እዮም ኪገብሩ ዚደልዩ” ኢሉ ጽሒፉ። a
መብዛሕትኡ ግዜ፡ ፍትሕ ካልእ ጸገም ሒዙ እዩ ዚመጽእ። ንኣብነት፡ ሓደ መጽናዕቲ ኸም ዝሓበሮ፡ “ኣብ እዋን እርጋን ምፍታሕ ከቢድ ቍጠባዊ ጸገም የምጽእ እዩ፡ ብፍላይ ድማ ንደቂ ኣንስትዮ።”
ካልእ ኪሕሰበሉ ዘለዎ ጕዳይ እውን ኣሎ። ዶንት ዲቮርስ ዘርእስታ መጽሓፍ ብዛዕባ እዚ፡ “ሓድሽ ህይወት ክትምስርት እኳ እንተ ደለኻ፡ ሕጂ እውን እቲ ሰብ ንስኻ ባዕልኻ ኢኻ። ንመጻምድትኻ ሓሳብካ እትገልጸሉ መገዲ ንምምሕያሽ፡ እንታይ ዝገበርካዮ ጻዕሪ ኣሎ፧ ዘይምርድዳእ ብዝሓሸ መገዲ ንምፍታሕ እንታይ ጻዕሪ ጌርካ፧” ትብል። b
ክትገብሮ እትኽእል ነገራት
ለውጢ ኸም ዚህሉ ኣሚንካ ተቐበል። ዘይቅየር ርክብ የልቦን። ደቅኹም ዓብዮም ካብ ገዛ ስለ ዝወጹ ወይ ዜገድሰኩም ነገራት ኪፈላለ ስለ ዝጀመረ፡ ምስ መጻምድትኻ ዝነበረካ ርክብ ተቐዪሩ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እምበኣር፡ ናይ ቀደም እናዘከርካ ኣብ ክንዲ እተስቈርቁር፡ ሕጂ ንርክብኩም ብኸመይ ከተመሓይሾ ኸም እትኽእል ሕሰብ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ስለምንታይ እየን ካብዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሕሻ፧” ኣይትበል፣ እዝስ ብጥበብ ኣይኰንካን እትሓትቶ ዘለኻ።”—መክብብ 7:10።
ርክብካ ኣሐድስ። ንመጻምድትኻ ኣብ ዜገድሶ ሓድሽ ነገራት ክትሳተፍ፡ ወይ ንስኻ ኣብ እትፈትዎ ንጥፈታት ኪሳተፍ ትጽዕር ዲኻ፧ ክልቴኹም ክትሳተፉሉ እትኽእሉ ሓድሽ ንጥፈት ክትጅምር ፍቓደኛ ዲኻ፧ እቲ ብሓባር እተሕልፍዎ ግዜ፡ ከም መዳቕስቲ ዘይኰነስ ከም መጻምድቲ ዄንኩም ንኽትርኣኣዩ ዝያዳ ኺሕግዘኩም እዩ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍ፡ ጥቕሚ ኻልእ ደኣ እምበር፡ ጥቕሚ ርእሱ ኣይድለ።”—1 ቈረንቶስ 10:24።
ጽቡቕ ባህርያት ምርኣይ ኣይተቋርጽ። ምስ ምንዋሕ ግዜ ንጽቡቕ ባህርያትካ ኣይተጥፍኣዮ። ምስ መጻምድትኻ ብኣኽብሮት ተዛረብ። ነቲ ኣብ እዋን ወረዘ እተርእዮ ዝነበርካ ባህርያት ቀጽሎ። “በጃኻ፡” “ኣመስግነኪ” ተባሃሃሉ። ወትሩ ፍቕርኹም ተገላለጹ፡ ነቲ መጻምድትኹም ዚገብረልኩም ነገራት ድማ ሞሳኹም ኣርእዩ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ንሓድሕድኩም ለዋሃትን ርሕሩሓትን ኩኑ።”—ኤፌሶን 4:32።
ዘሕለፍክምዎ ጽቡቕ ግዜያት ዘክር። ብሓንሳእ ኴንኩም ናይ መርዓኹም ኣልበም፡ ወይ ኣብ ካልእ እዋናት ብሓደ እተሳኣልኩምዎ ስእልታት ርኣዩ። ከምዚ ምግባርኩም፡ ንፍቕርኹም ከተሐድሱ ወይ ክትዕቕቡ ኸምኡ ድማ ሓዳርኩም ከተኽብሩ ኺሕግዘኩም እዩ።
ስርዓት መጽሓፍ ቅዱስ፦ “ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቱ ኸም ርእሱ ገይሩ የፍቅራ፣ እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ።”—ኤፌሶን 5:33።
a ካብ ጎይንግ ሶሎ— ዘ ኤክስትራኦርዲናሪ ራይዝ ኤንድ ሰርፕራይዚንግ ኣፒል ኦፍ ሊቪንግ ኣሎን ዘርእስታ መጽሓፍ እተወስደ።
b ንፍትሕ መሰረት ኪኸውን ዚኽእል እንኮ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት፡ ዝሙት ጥራይ እዩ። (ማቴዎስ 19:5, 6, 9) “መጽሓፍ ቅዱስ፡ ፍትሕ ይፈቅድ ድዩ፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።