ናብራና ኸነቕልል ወሲንና
ማድያንን ማርሰላን ኣብ መደሊን ኮሎምብያ ምሹእ ናብራ ነበሮም። ማድያን ብዙሕ ደሞዝ ይኽፈሎ ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ጽቡቕ ኣፓርታማ ይነብሩ ነበሩ። ይኹን እምበር፡ ኣገልገልቲ የሆዋ ኣምላኽ ከም ምዃኖም መጠን ብዛዕባ ቐዳምነት ዚህብዎ ነገር ዳግም ኪግምግሙ ዚድርኽ ሓደ ነገር ኣጋጠሞም። ከምዚ ኸኣ ይብሉ፦ “ኣብቲ ብ2006 እተገብረ ‘ጥዕይቲ ዓይኒ ትሃልኹም’ ዘርእስቱ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ ተኻፈልና። ኣብኡ ኸኣ፡ መብዛሕትኡ እቲ መደረታት ንኣምላኽ ዝያዳ ምእንቲ ኸነገልግሎ ናብራና ኸነቕልል ዜጕልሕ እዩ ነይሩ። ካብቲ ኣኼባ ምስ ወጻእና ኣንጻር እቲ ዝሰማዕናዮ ንገብር ከም ዝነበርና ተገንዘብና። ናይ ምዕዳግ ወልፊ ስለ ዝነበረና ኣብ ብዙሕ ዕዳ ድማ ኣተና።”
ድሕሪ እቲ ዜነቓቕሕ መንፈሳዊ መደረታት፡ ማድያንን ማርሰላን ናብራኦም ቀሊል ኪገብሩ ጀመሩ። ከምዚ ድማ ይብሉ፦ “ወጻኢታትና ኽንንኪ ጀሚርና። ናብ ንእሽቶ ኣፓርታማ ግዒዝና፡ ንማኪናና ሼጥና ድማ ብሽክለታ ሞተር ዓዲግና።” ብዘይካዚ፡ ዝርኣይዎ ነገር ኪዕድጉ ምእንቲ ኸይፍተኑ፡ ናብ ዓበይቲ ድንኳናት ምኻድ ደው ኣበሉ። ንሰባት ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምዝራብ ብዙሕ ግዜ ኼሕልፉ ጀመሩ። ብቕንኣት ንየሆዋ ኣምላኽ ምስ ዜገልግሉ ፍሉያት ፈለምቲ ምሕዝነት ኪገብሩ ጀሚሮም። a
ነዊሕ ከይጸነሐ፡ ማድያንን ማርሰላን ኣገልግሎቶም ንምስፋሕ፡ ናብ ሓንቲ ሓገዝ ዜድልያ ኣብ ንእሽቶ ገጠር እትርከብ ጉባኤ ኺግዕዙ ወሲኖም። ናብቲ ቦታ ምእንቲ ኺግዕዙ ማድያን ስራሑ ሓደገ። ከምኡ ምግባሩ፡ ሓለቓኡ እተጸለለ ዀይኑ ተሰሚዕዋ። ማድያን ድማ፡ “ብዙሕ ገንዘብ ኣሎኪ፡ ግናኸ ሕጕስቲ ዲኺ፧” ኢሉ ሓተታ። ንብዙሕ ጸገማታ ፍታሕ ክትረኽበሉ ስለ ዘይከኣለት፡ ሕጕስቲ ኸም ዘይኰነት ተኣመነት። ድሕሪኡ፡ ንሱ ኸምዚ በላ፦ “ኣብ ህይወት እቲ ኣገዳሲ ነገር እቲ እትረኽቦ ገንዘብ ዘይኰነስ፡ እቲ እትረኽቦ ሓጐስ እዩ። ብዛዕባ ኣምላኽ ንሰባት ምምሃር ከኣ ንዓይን ንሰበይተይን ሕጉሳት ክንከውን ገይሩና እዩ፣ ነዚ ዕዮ እዚ ብዙሕ ግዜ ብምውፋይ ዝያዳ ሕጉሳት ክንከውን ንደሊ ኢና።”
ማድያንን ማርሰላን መንፈሳዊ ሸቶታት ብምስዓቦም፡ ዕግበትን ናይ ሓቂ ሓጐስን ረኺቦም እዮም። ኣብ ዝሓለፋ 13 ዓመታት፡ ኣብተን ዝያዳ ዓየይቲ ዜድልዩለን ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኮሎምብያ ዚርከባ ጉባኤታት ኣገልጊሎም እዮም። ኣብዚ እዋን እዚ፡ ፍሉያት ፈለምቲ ዀይኖም ናይ ምግልጋል ፍሉይ መሰል ረኺቦም ኣለዉ።
a ፍሉያት ፈለምቲ፡ ኣብታ ሃገር ብዚርከብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ናይ የሆዋ መሰኻኽር እዮም ዚሽየሙ፣ ኣብ እተወሰነ ቦታ ዀይኖም ድማ ምሉእ ግዜኦም ኣብ ምስባኽ የሕልፍዎ። ንናብራኦም ዜድሊ መጠነኛ ኣበል ድማ ይውሃቦም።